ሞባይሉ ናብ ማይ ዝኣተወቶ ሓላፊ ምሉእ ዲጋ ማይ ክጭንጓዕ ኣዚዙ

Published

ኣብ ህንዲ ሓደ ሓላፊ ‘ሞባይለይ ናብ ማይ ስለ ዝኣተወት’ ኢሉ ምሉእ ዲጋ ማይ ኣምጢጡ።

እቲ ሓላፊ ንገዛእ ርእሱ 'ብሴልፊ' እንዳስኣለ እንከሎ’ያ እታ ሞባይሉ ናብ ዲጋ ኣቲያቶ።

ተግባር ናይቲ ህንዳዊ ሓላፊ ኣብታ ሃገር ኣዘራራቢ ከም ዝዀነ ተፈሊጡ።

እታ ክባር ከም ዝዀነት ዝተዘረበላ ሞባይል ሳምሰንግ ኰይና ዋጋኣ 1200 ዶላር’ዩ።

እዚ ብናይ ህንዲ ገንዘብ ክሽረፍ እንከሎ ድማ 100 ሽሕ ሩጲ ይግመት።

ናይቲ ሓላፊ ሞባይል ሃንደበት ከርከታ ተባሂሉ ናብ ዝፍለጥ ዲጋ እያ ኣትያ።

ዲጋ ከርከታ ኣብ ማእኸላይ ህንዲ ግዝኣት ቻቲስጋር’ዩ ዝርከብ።

እታ ሞባይል ናብቲ ገዚፍ ማይ ዝዓቖሮ ዲጋ ምስ ኣተወት ሽዑ ንሽዑ ኣብቲ ከባቢ ምኩራት’ዮም ዝበሃሉ ሓምበስቲ ተጸዊዖም ከውጽእዋ ብዙሕ ጻዕሪ ገይሮም ስለ ዘይሰመረ’ዩ እቲ ሓላፊ ምሉእ ዲጋ ማይ ንኽምጠጥ መምርሒ ኣውሪዱ።

እቲ ማይ ንምምጣጥ 3 መዓልቲ ምሉእ ከም ዝወሰደ’ውን ተገሊጹ።

ኣብ መወዳእታ ምሉእ ዲጋ ማይ ተመጢጡ እታ ሞባይል’ኳ እንተተረኸበት ክትከፍት ግን ኣይከኣለትን።

እዚ ናይ 1200 ዶላር ሞባይል ንምውጻእ ምሉእ ዲጋ ዘምጠጠ ሓላፊ ሚስተር ሺዋዛ እዩ ዝበሃል።

ሽዋዛ ስለ ምንታይ ንሓንቲ ሞባይል ከውጽእ ክብል ምሉእ ዲጋ ማይ ከም ዘምጠጠ ሕቶ ቀሪብሉ “እታ ሞባይል ኣገደስቲ ሰነዳት ስለ ዝሓዘት’ዩ” ዝብል ምላሽ ሂቡ።

ሽዋዛ ናይቲ ከባቢ ሓላፊ በዓል መዚ ምቁጽጻር መግቢ ከም ዝዀነ ተሓቢሩ’ሎ።

ምሉእ ዲጋ ማይ ንኸምጥጥ ካብ ላዕለዋይ ሓላፊኡ ናይ ቃል ፍቓድ ከም ዝረኸበ ንማዕከናት ዜና ህንዲ ተዛሪቡ።

ሞባይል ናይቲ ሓላፊ ንምውጻእ ኣስታት 2 ሚልዮን ሊትሮ ማይ ኣምጢጡ። እቲ ዝተጨንጉዐ ማይ 600 ሄክታር ሕርሻ ናይ ምልማዕ ተኽእሎ ነይርዎ።

እቲ ሓላፊ በቲ ዝፈጸሞ ተግባር ከምዝሕተትን ካብ ስርሑ ከም ዝተኣገደን ተገሊጹ።

ሓደ ተግባር ናይዚ ሓላፊ ዘኾረዮ ፖለቲከኛ “ኣብዚ ሰባት ብማይ ጽምኢ ቃዕቃዕ ዝበልሉ ወቕቲ 1500 ሄክታር መሬት ዘለምዕ ማይ ንበለል እንትተርፍ ሱቕ ኢልካ ዶ ምተርኣየ” ዝብል ጽሑፍ ጠቂዑ።