"ፈለማ 'ፓፓ' ዝበለኒ ኣምባሳደር ኤርትራ እዩ" - ቪቶ ፍዮሪኖ
"ፈለማ 'ፓፓ' ዝበለኒ ኣምባሳደር ኤርትራ እዩ" - ቪቶ ፍዮሪኖ
Published
ነባሪ ደሴት ላምፔዱሳ ኢጣልያዊ ቪቶ ፍዮሪኖ፡ ቅድሚ 10 ዓመት ዓሳ ክገፍፍ ናብ ባሕሪ ምስ ወፈረ ብኣማኢት ዝቍጸሩ ሰባት ጃልባ ተገልቢጣ ኣብቲ ባሕሪ ተበቲኖም ከመይ ከምዝረኸቦም ተዘክሮኡ ኣካፊሉና ኣሎ። ቪቶ ጃለባኡ ናይ ሓደ ሰብ ቦታ ጥራይ እኳ እንተነበራ 47 ሰባት ካብቲ ባሕሪ ኣድሒኑ።



