እስራኤል፡ ንዝተቐትለ ወተሃደራ ሕነ-ንመፍዳይ ኣብ ልዕሊ ሊባኖስ መጥቃዕቲ ኣካይዳ

ብሮኬት ዝተደብደበ ከባቢ እስራኤል

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ካብ ሊባኖስ ዝተተኮሱ ሮኬታት እስራኤል ንከተማ ሳፈድ ሓዊሱ ንመሴናዊ እስራኤል ኢላማ ዝገበሩ እዮም
Published

ሊባኖሳዊ ጉጅለ ሕዝቦላህ ብዝተኮሶ ሮኬት ሓደ ወተሃደር ዝተቐተላ እስራኤል ብዘካየደቶ ግብረ መልሳዊ መጠቃዕቲ ኣየር ብውሑድ ሸውዓተ ሰላማውያን ከምዝተቐተሉ ፀብፃባት ሓቢሮም።

በቲ መጥቃዕቲ ሓንቲ ኣዶ ምስ ክልተ ደቃን ብውሑድ ኣርባዕተ ኣባላት ሓደ ቤተሰብን ከምዝተቐተሉ ሕዝቦላህ ገሊጹ።

ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ ኣብ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብውሑድ ክልተ ዕጡቓት እቲ ጉጅለ ከምዝተቐተሉ እውን ኣፍሊጡ።

ሰራዊት እስራኤል ብወገኑ ግብረ መልሲ ናይቲ ኣብ ሰሜናዊ እታ ሃገር ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሮኬት፡ ኣብ መሳለጥያታት ሓማስ ደብዳብ ከምዘካየደ ገሊጹ።

እቲ ጎንጺ ሰፊሕ ዞባዊ ኲናት ከየልዕል ስግኣተ ተፈጢሩ ኣሎ።

ብረቡዕ ንጉሆ ሮኬታት ናብ ሰሜናዊ እስራኤል ምዝናቦም ስዒቡ ኣብ ጥቓ ዶባት ኣብ ዝርከቡ ከተማታት እስራኤል ናይ መጠንቀቕታ ደወል ተደዊሉ ነይሩ።

ኣብ ሳፈድ ዝርከብ ወታሃደራዊ ማእከል እስራኤል ብሮኬት ምስተወቕዐ፡ ሓደ ወታሃደር ከምዝሞተን ሸውዓተ ከምዝቖሰሉን መራኸቢ ብዙሃን እስራኤል ገሊጸን።

ሓደ ቪድዮ ድማ ኣብ ጥቓ ሆስፒታል ሳፈድ ካልእ ሮኬት እንትወድቕ የርእይ።

ሕዝቦላህ “ንህዝብን ቃልስን ቓዛ ዘለዎ ድጋፍ ንምግላጽ” ኣብ ሳፈድ ንዝርከብ “ትሕዝቶ ጸላኢ” ከምዘጥቀዐ ገሊጹ።

ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ትማሊ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ: ከም ግብረ መልሲ ናይቲ መጥቃዕቲ ሮኬት ነፈርቲ ውግእ ”ንብዙሓት ዒላማታት ግብረ ሽበራዊ ሕዝቦላህ ኣጥቃዒዐን” ኢሉ።

እቶም ዝተደብደቡ ትሕዝቶታት ናይቲ ብሬድዋን ዝፍለጥ ፍሉይ ሓይሊ ሕዝቦላህ ከምዝኾኑ እውን ገሊጹ።

መንግስታዊት ቴሌቪዥን ሊባኖስ (ኤንኤንኤ) ኣብ ዝዘርገሐቶ ሓበሬታ ድማ ኣብ ከተማ ሶነህ ኣብ ሓደ መንበሪ ገዛ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣየር ሓንቲ ሶርያዊት ኣዶ ምስ ክልተ ደቃ ከምዝተቐተለት ጸብጺባ።

ካብታ ከተማ ዝወጹ ምስልታት ድማ ነበርቲ ኣብ ሓደ ዝፈረሰ ገዛ ፈተሻ እንተካይዱን ሓንቲ ዝተቓጸለት መኪናን የርእዩ።

ምንጪታት ጸጥታ ንኤኤፍፒ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ ድማ በቶም ተኸታተልቲ ደብዳባት ክልተ ደቂ ኣንስትዮ ዝርከበኦም ኣርባዕተ ኣባላት ሓደ ቤተሰብ ከምዝተቐተሉን ምስ ሕዝቦላህ ምትእስሳር ከምዘይነበሮምን ተገሊጹ።

ወሃቢት ቃል መንግስቲ እስራኤል ኢላና ስተይን ንሮይተርስ ኣብ ዝሃበቶ ቃል ድማ “ብተደጋጋሚ ከምዝሓበርናዮ እስራኤል ኣብ ክልተ ግንባራት ክትዋጋእ ድልየት የብላን። እንድሕር ተተንኩይና ግና ብሓይሊ ክንምልስ ኢና” ኢላ።

መራሒ ሕዝቦላህ ሓሰን ናስራላህ ብሰሉስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣንጻር እቲ ጉጅለ ኲናት ምእዋጅ ሚልዮን እስራኤላውያን ክፈናቐሉ ዝገብር እዩ ክብል ንሰብመዚ እስራኤል ኣጠንቂቑ ነይሩ።

ንሱ፡ ሕዝቦላህ “ትንኮያ ደው እንተኢሉን ኣብ ቓዛ ተኹሲ ደው ምባል እንተተፈጺሙን” ጥራሕ ተኹሲ ደው ከምዘብል ኣፍሊጡ።