እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ንመንግስትን ፋኖን ከቀራርብ ዝቘመ ቤትምኽሪ ሰላም ብድሆታት ከምዘለዎ ኣፍሊጡ
ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ መንጎ መንግስትን ዕጡቓት ፋኖን ይካየድ ዘሎ ሓደ ዓመት ዘቑጸረ ጐንጺ ብዝርርብ ንምፍታሕ ዝብል ዕላማ ሒዙ ዝተጣየሸ ቤትምኽሪ ሰላም ብድሆታት ከም ዘጋጠምዎ ኣፍሊጡ።
ካብ ኣዲስ ኣበባን ዝተፈላለዩ ዞባታት ክልል ኣምሓራን ዝተዋጽኡ “ወከልቲ ማሕበረሰብን ጸለውትን” ዝተሳተፍሉ እዚ ቤት ምኽሪ ኣብ 18 ሰነ 2016 [ግእዝ] ኣብ ከተማ ባህርዳር ኣብ ዝተሳለጠ ‘ጉባኤ ሰላም’ እዩ ተጣይሹ።
15 ኣባላት ዘለዎ ኰይኑ ኣብቲ ክልል ዘሎ ጎንጺ ንምግታእ ንኩሎም ኣካላት ጻውዒት ሰላም ድሕሪ ምቕራቡ ኣብ ካልኣይ ወርሑ ማሕለኻታት ከም ዘጋጠምዎ ሓቢሩ።
መንግስቲ ፌደራልን ዕጡቓት ፋኖን “ብዘይ ገለ ቅድመ ኩነት፣ ኣብ ዝኾነ ቦታ፣ ብዝኾነ ኣላዛቢ” ክዘራረቡ ናይ ምውዳድ ዕማም ሒዙ ዝተበገሰ እቲ ቤትምኽሪ ኣብ ፈላማይ ጸብጻቡ፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ “ኵናት ሓድሕድ” ይካየድ ኣሎ ኢሉ ነይሩ።
ርክብ ህዝቢ እቲ ካውንስል ኣቶ እያቸው ተሻለ ከምዝበሎ ተጻባእቲ ወገናት ንልዝብ ናብ ዙርያ ጠረጴዛ ንምምጻእ ኣብ ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ ብፍላይ ድማ ኣብ ዕጡቓት ፋኖ ስሩዕ ኣወዳድባ ዘይምህላዉ ብድሆ ኰይኑ'ሎ።
“ካብ ሓደ እወንታዊ (መልሲ) እንትርከብ ናይቲ ካልእ ድማ ኣሉታዊ ይኸውን።. . . ካብ ሓደ ኣካል ጽቡቕ ሓሳብ ኣብ ዝህሉ ናይቲ ካልእ ተጻራሪ ይኸውን” ኢሉ።
“ኣይኰነን ክላዘብ እየ ንምባል፡ ኣይላዘብን ንምባል’ውን ትካልን መራሕን የድልይ’ዩ። ናብ ሓደ ምምጻእ የድልይ” ክብል እውን ተዛሪቡ።
ኣወዳድባ ፋኖ ስሩዕ ዘይምዃኑ ካብ ቅድሚ ምጥያሽ እቲ ቤትምኽሪ ጀሚሩ ስለዝፍለጥ እንታይ ኣማራጺ ኣቐሚጥኩም? ዝብል ሕቶ ካብ ቢቢሲ ምስቀረበሉ ድማ “ሓይልታት ፋኖ ናብ ሓደ ክመፅኡ’ዮም ዝብል ተስፋ ነይሩና” ዝብል መልሲ ሂቡ።
“ስሩዕ ኣወዳድባ ዘይምህላዉ ክፍትነና ከም ዝኽእል ገምጊምና ኢና። ግና ድርድር ክበሃል እንከሎ ብቅልጡፍ ሓደ ክኾኑ’ዮም ዝብል ተስፋ ነይሩና። ብርግፅ ሕዚ’ውን ክልተ ናብ ዝመስል ነገር ንምምፃእ ይፍትኑ ኣለዉ’ዮም” ብምባል ሕዚ’ውን ተስፋ ምህላዉ ሓቢሩ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ፡ መንግስቲ ምስ ዕጡቓት ፋኖን ኦነግን ብምሽጥር ክዘራረብ ምጽንሑ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣፍሊጡ ነይሩ።
እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር "የካይዶ ኣለኹ" ዝበሎ ዝርርብ ምስቲ እቲ ቤትምኽሪ ሰላም ዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ ከም ዘይራኸብ ዝገልጽ ኣቶ እያቸው፡ “መንግስቲ ዝኸደሉ ናይ ባዕሉ መገዲ ይህሉ ይኸውን ኢልና ኢና ንሓስብ” ብምባል ብዝተፈላለዩ ኣንፈታት ጻዕርታት ይካየዱ ምህላዎም ተዛሪቡ።
“ኣቐዲሞም ዝተዘርግሑ ጠቐነታት” እውን ነቲ ቤት ምኽሪ ሰላም ተወሰኽቲ ብድሆታት ከምዝኾንዎ ገሊጹ።
እዚ ስማስም ዝወሃብ ዘሎ ካብ ኩሎም ኣወዳድባታት ፋኖ ከምዘይኰነ ዝዛረብ እቲ ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት፡ ናይ ዘይሻራውነት ሕቶ እንተድኣ ተላዒሉ ድማ "እዚ ንሕና ንገብሮ ናይ ምቅርራብ ስራሕ ብኻልእ ኣካል ይተካእ ምባል ይከኣል እዩ" ኢሉ።
እቲ ቤትምኽሪ ክሳብ ሕጂ ብሰንኪ ዘጋጠምዎ ብድሆታት “ኣብዚ እተው ዝበሃል ውፅኢት ኣየምጽአን” ብምባል ነቲ ዝወጠንዎ ዕማማት ከዕውቱ ከም ዘይኸኣሉ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
እንተኾነ ሕዚ’ውን እቲ ቤት ምኽሪ ክልቲኦም ተጻባእቲ ኣካላት ልዝብ ክጅምሩ ንምቅርራብ ጻዕሩ ከም ዝቕፅልን ተስፋ ከም ዘይቀብጹን ኣቶ እያቸው ተዛሪቡ።
“(ዕጡቓት ፋኖ) መልሲ ክሳብ ዝህቡና ካብ ምፅባይ ወፃኢ ካልእ ኣማራፂ የብልናን። ንሕና ካብ ምሕታት ወፃኢ እነገድደሉ ምኽንያት የለን። ሰላም ክሳብ ዝሰፍን ከይሰልቸውና ክንሰርሕ ኢና ንሓስብ። መዓዝ’ዩ እዚ ሓሳብና ዝዕወት? ንሕና’ውን ኣይንፈልጦን” ኢሉ።
ደማዊ ኵናት ትግራይ ብስምምዕ ፕሪቶርያ ምግትኡ ስዒቡ፡ መንግስቲ እታ ሃገር ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝርከብ ፍሉይ ሓይልን ፋኖን ዕጥቂ ንምፍታሕ ብምውሳኑ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ተፃባእቲ ኣካላት ጐንፂ ተወሊዑ።
ኣብቲ ክልል ን10 ኣዋርሕ ዝፀንሐ ኣዋጅ ህፁፅ ግዘ ተኣዊጁ ነይሩ፤ ነዚ ጐንፂ ምግታእ ኣይተኽኣለን። ብሰንኩ ድማ ኣብ ብዙሓት ከባብታት ፀገማት ከም ዝተፈጠሩ ነበርቲ እቲ ክልል ይዛረቡ።