እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዓሰርተታት ኣሽሓት ኣመሪካውያን ሕጊ ብረት'ታ ሃገር ክተርር ፀዊዖም
ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑፀሩ ኣመሪካውያን ሰልፈኛታት ሕጊ ብረት (ጠበንጃ) ኣሜሪካ ክተርር ዝፅውዕ ሰልፊ ኣካይዶም።
ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝተፈፀሙ ጃምላዊ ተዅሲታት፡ ኣመሪካውያን ናብ ኣደባባያት ወፂኦም ነዚ ፃውዒት ከቕርቡ ደሪኹ ኣሎ።
ኣብዞም ብኣማኢት ዝቑፀሩ ሰልፍታት፡ “ብብረት ናይ ዘይምቕታል ናፅነት እደሊ እየ!፣ መሰረታዊ ለውጢ ሕዚ!” ዝብሉን ካልኦትን ጭርሖታት ተሰሚዖም።
ፕረዝደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን፡ ነዞም ሰልፍታት ብምድጋፍ ኮንግረስ እታ ሃገር፡ “ሕጊ ድሕነት ብረት ከሕልፍ (ክድንግግ)” ፀዊዑ።
ኣብቲ ዝሓለፈ 24 ጉንበት፡ ኣብ ቴክሳስ ኣብ ሓደ መባእታዊ ቤት ትምህርቲ ብዝተፈፀመ ተኹሲ 19 ህፃናትን ክልተ ኣባፅሕን ተቐቲሎም እዮም።
እዚ መጥቃዕቲ እዝን ካልእ ኣብ ቡፋሎ ኒውዮርክ 10 ሰባት ዝቐተለን መጥቃዕቲ፡ መንግስታ እታ ሃገር ኣብ ቁፅፅር ብረት ተግባራዊ ስጉምቲ ክወስድ ዝፅውዑ ሰልፍታት በርቲዖም ክካየዱ ምኽያት ኮይኑ ኣሎ።
ኣብ ቁፅፅር ብረት ሕጊ ክፀድቕ ዝጉስጉስን ነዚ ዝድግፍ ሰልፍታት ዘዋድድን ‘March For Our Lives’ ዝተብሃለ ጉጅለ፡ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ፣ ሎስ ኣንጀለስ፣ኒውዮርክን ቺካጎን ሓዊሱ 450 ሰልፍታት ተቓውሞ ከምዝካየዱ ኣፍሊጡ።
እዚ ጉጅለ፡ ኣብ 2018 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ኣብ ኣሜሪካ ቤት ትምህርቲ ፓርክላንድ ካብ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ውፃእ መዓት ብዝኾኑ ሰባት ዝተመስረተ እዩ።
ጉጅለ ‘March For Our Lives’፡ ሰባት እናሞቱ ፖለቲከኛታት ኮፍ ክብሉ” ከምዘይፈቅድ ገሊፁ።
ኣባል ቦርድ እቲ ጉጅለ ትሬቮን በስሊ፡ “ካብ ሕዚ ንደሓር፡ ሰባት እናሞቱ ኮፍ ክትብሉ ኣይንፈቕደልኩምን ኢና" ኢሉ።
ውፃእ መዓት እቲ ኣብ ፓርክላንድ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ዝኾነ ዴቪድ ሆግ፡ እቲ ኣብ ዩቫልዲ ዝተፈፀመ ቅትለት ህፃናት፡ “ከቖጥዐና ይግባእ፡ ለውጢ ክመፅእ ድማ ክንጠልብ ኣለና። መወዳእታ ዘይብሉ ክትዕ ዘይኮነስ፡ ሕዚ ለውጢ ክመፅእ ንጠልብ!” ክብል ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ኣብ ዝተኻየደ ሰልፊ ተዛሪቡ።
ኣብቲ ዝሓለፈ 14 ጉንበት ኣብ ቡፋሎ፡ ኒውዮርክ ብዓሌታውነት ጓል 86 ዓመት ወላዲቱ ዝተቐተለቶ ጋርነር ዊትፊልድ ድማ፡ “ፍትሒ ክንጠልብ ኢና ኣብዚ ዘለና። ምስቶም ሕጊ ጠበንጃ ተግባራዊ ክኸውን ዝጉስጉሱ ዘለዉ ኣብ ጎኖም ንምዃን ኢና ኣብዚ ዘለና” ኢሉ።