ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣብ ሻንጥኡ ነታጒ ሒዙ ዝተረኸበ ሰብኣይ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ወከልቲ ኤፍ.ቢ.ኣይ፡ ኣብ ዘሓለፈ ሰኑይ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ፔንሲልቨንያ ነታጒ ሒዙ ዝተረኸበ ዝተባህለ ሰብኣይ ኣብ ቀይዲ ኣእትዮሞ።
ወዲ 40 ዓመት ማርክ ማፍሊ፡ ናብ ኦርላንዶ ፍሎሪዳ ንዝግበር በረራ ኣብ ዝተፈተሸ ሻንጣኡ ነቲ መሳርሒ ሒዙ ክኣቱ ከምዝፈተነ ይኸስስ።
ስሙ ብመጕልሒ ድምጺ ምስ ተጸውዐ ካብቲ መዓርፎ ነፈርቲ ከም ዝሃደመ፡ ጸኒሑ ድማ ብኽትትል ኣብ ገዛኡ ከም ዝተታሕዘ ይዛረቡ።
ሰበስልጣን ምምሕዳር ድሕነት መጓዓዝያ (TSA) ነቲ መሳርሒ ኣብ ልሙድ መርመራ ከምዝረኣይዎ ይዛረቡ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ሚስተር ማፍሊ፡ ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ለሃይ ቫሊ ብኣሌጅያንት ኤየር ፍላይት 201 ክጓዓዝ እዩ ተዳልዩ ነይሩ።
መርመርቲ ነቲ ዘጠራጥር ነገር ምስ ረኸቡዎ፡ ድሕሪ ሓደ ሰዓት ኣቢሉ፡ ንሓደ ቴክኒሽያን ቦምባ ዝርከብዎም ክኢላታት ኤፍ.ቢ.ኣይ ደዊሎም ነቲ መሳርሒ መርሚሮምዎ።
ኣብ ሰነዳት ክሲ፡ ኣብ ውሽጢ ናይቲ ጥርጡር ተጎታቲ ሻንጣ ዝተሓብአ 3 ኢንች (7.5 ሴንቲ ሜትሮ) ዝቝመቱ መሳርሒ ፊዩዝን ነታጒ ፓውደርን ዝሓዘ ኰይኑ ከምዝተረኸበ ይገልጽ።
ኣካል ናይቲ ነታጒ ዝመስል፡ ቅልጡፍ ፊዩዝን ድሕሪ ምፍራይ ዝተወሰኸ ዝመስል ናይ መዘናግዒ ፊዩዝን ከምዝነበረ እቲ ገበናዊ ክሲ ይሕብር።
"እቲ ጸሊም ፓውደርን ፍላሽ ፓውደርን ካብ ሙቐትን ምትሕንፋጽን ንኽቃጸሉ ቅሉዓት ኰይኖም፡ ኣብ ልዕሊ ነፈርትን ተሳፈርትን ዓቢ ሓደጋ ከስዕቡ ዝኽእሉ እዮም" ይብል እቲ ሰነድ ክሲ።
ሚስተር ማፍሊ ብመጕልሒ ድምጺ መዓርፎ ነፈርቲ ስሙ ምስ ተጸወዐ፡ ድሕሪ ሓሙሽተ ደቓይቕ፡ ካብቲ መዓርፎ ነፈርቲ ክሃድም ብካሜራታት ጸጥታ ከምዝተራእየ ሰነዳት ቤት ፍርዲ ይሕብሩ።
ድሒሩ ኣብ ዝተገብረ ጥቡቕ ክትትል፡ ሰኑይ ኣብቲ ኣብ ላንስፎርድ ፐንሲልቫንያ ዝርከብ ገዛኡ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ።
ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ነታጒ ብምሓዝን ኣብ ነፋሪት ነታጒ ወይ መቃጸሊ መሳርሒ ብምሓዝ ወይ ከቐምጥ ብምፍታንን ተኸሲሱ ኣሎ።
ሎሚ ሓሙስ ናብ ቤት ፍርዲ ክቐርብ እዩ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
