እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ኒውዮርክ ሓደ በዓል ብዙሕ ደርቢ መዐሸጊ መካይን ፈሪሱ
ኣብ ኒውዮርክ ሓደ በዓል ብዙሕ ደርቢ መዐሸጊ መካይን ብምፍራሱ ሓደ ሰብ ክመውት እንከሎ ካልኦት ሓሙሽተ ከም ዝቘሰሉ ሰብ መዚ ገሊጾም።
ኣብቲ ኣርባዕተ ደርቢ ዝነበሮ ህንጻ ፈለማ እቲ ካልኣይ ደርቢ ምፍራሱ ማዕከን ዜና ሲቢኤስ ጸብጺቡ።
ኣብ ኢንተርነት ዝተዘርግሐ ቪድዮ፡ ኣብ ዝተሓምሸሸ መሀደሚ - ካሻስትሩስ ኵምራ መካይንን ፍርስራስን የርኢ።
እቲ ሓደጋ ምፍራስ ብኣቆጻጽራ ሰዓት እቲ ከባቢ፡ ሰዓት 4 ድ.ቀ እዩ ኣጋጢሙ።
ሓላፊ ክፍሊ ምክልኻል ባርዕ ሓዊ ከተማ ኒውዮርክ ጆን ኤስፖሲቶ፡ እቲ መስርሕ ምድሓን ነቶም ሰራሕተኛታት መጥፋእቲ ሓዊ “ኣዝዩ ሓደገኛ” ከምኡ’ውን እቲ ህንጻ “ኣዝዩ ተኣፋፊ” ምንባሩን ገሊጹ።
“ሰራሕተኛታት መጥፋእቲ ሓዊ ኣብ ውሽጢ እቲ ህንጻ ስራሕ ምድላይ ግዳያት እናካየዱ እቲ ህንጻ ምፍራስ ቀጺሉ፤ ኣብዚ እዋን ኵሎም እቶም ንሓደጋ ተቓሊዖም ዝነበሩ ሰራሕተኛታት ካብቲ ህንጻ ወጺኦም ኣለው፡” ኢሉ።
ንሱ ወሲኹ ሓደ ሰራሕተኛ ኣብቲ ላዕለዋይ ደርቢ ተዓጊቱ ከምዝነበረን ብሓገዝ ክወጽእ ከምዝኸኣለን ሓቢሩ።
“ሰራሕተኛታት መጥፋእቲ ሓዊ ናብቲ ላዕለዋይ ክፋል እቲ ህንጻ ብምድያብ ብናሕሲ ኣውጺእና ናብ ካልእ ህንጻ ኣስጊርናዮ፡” ኢሉ እቲ ሓላፊ።
ኣብቲ መስርሕ ሕጹጽ ሓገዝ፡ ሓድሽ ቴክኖሎጂ ኣገዳሲ ተራ ከምዝተጻወተ ከንቲባ እታ ከተማ ኤሪክ ኣዳምስ ገሊጹ።
ሮቦታዊ ከልቢ ናብቲ ህንጻ ከእትው ምኽኣሎምን፡ እቲ ሮቦት ካብ ውሽጢ እቲ ህንጻ ቪድዮ ከምዝለኣኸን ብድሕሪኡ ነቲ ኵነታት ንምፍታሽ ሮቦታት ከምዝበረራን ተዛሪቡ።
ጠንቂ እቲ ምፍራስ ገና ከምዘይተነጸረን ኣብ ጥቓኡ ኣብ ዝርከቡ ህንጻታት ዝወረደ ጉድኣት እንተሃልዩ ምጽራያት ይግበር ምህላውን ሰብ መዚ ገሊጾም።