እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ታየር ኒኮልስ: ኣብ’ቲ ሓድሽ ቪድዮ ንፖሊስ ክቃወም ኣይተራእየን
ሓሙሽተ ብቕትለት ዝተኸሰሱ ኣባላት ፖሊስ መምፊስ፡ ንሓደ መራሒ ሞተር ንሓያሎ ደቓይቕ ክረግጽዎን ክሃርምዎን፡ ንሱ ድማ ንኣዲኡ ኣውያት ከስምዕ እንከሎ፡ ዘርኢ ሓድሽ ተንቀሳቓሲ ስእሊ ተዘርጊሑ።
እቶም መኮንናት፡ ነቲ ወዲ 29 ዓመት ታየር ኒኮልስ ፡ ድሕሪ’ቲ ብ7 ጥሪ ዝተኣስረሉ፡ ክሃርምዎ እንከለዉ እቶም ቪድዮታት ይረኣዩ፡ ንሱ ክቃወም ዘርኢ ምልክት ግን የለን።
ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን፡ በቲ ዝረእዮ "ዘስካሕክሕ" ምስሊ ‘ኣዝዩ ከም ዝሰንበደ’ ገሊጹ።
ጠበቓታት ስድራ-ቤት ሚስተር ኒኮልስ ነቲ መጥቃዕቲ ምስቲ ኣብ 1991 ፖሊስ ኣብ ልዕሊ ሞተሪስት ሎስ ኣንጀለስ ሮድኒ ኪንግ ዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ኣመሳሲሎምዎ።
እዚ ዛንታ እዚ ንገለ ሰባት ዘጨንቕ ኰይኑ ክረኽብዎ ዝኽእሉ መግለጺታት ዓመጽ ዝሓዘ እዩ።
ፖሊስ፡ ኣብ መጀመርታ ሚስተር ኒኮልስ ብዕሽሽታ ምዝዋር ሞተር ብዝብል ጥርጣረ ደው ከምዘበለ፡ እንተኾነ መርትዖ ከምዘይተረኽቦን ገሊጹ።
ንሱ፡ ምስ ተኣስረ፡ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ማለት ብ10 ጥሪ ኣብ ሆስፒታል ዓሪፉ።
ሚስተር ኒኮልስ ጸሊም ኮይኑ፡ ኣብቲ ጉዳይ ዝተኸሰሱ ሓሙሽተ መኮንናት’ውን ከምኡ ጸለምቲ እዮም።
ክፍሊ ፖሊስ መምፊስ፡ እቶም ትማሊ ዓርቢ ዝፈነዎም ኣርባዕተ ስእላዊ ቪድዮታት፡ ናይቲ ትራፊክ ደው ምባልን ድሕሪኡ ዘስዓቦ መጥቃዕትን ዘርኢ ኮይኑ፡ ብድምር ልዕሊ ሓደ ሰዓት ዝወሰደ ተንቀሳቓሲ ስእሊ እዩ።
ኣብታ ቀዳመይቲ ክሊፕ፡ መኮንናት ንሚስተር ኒኮልስ ካብ መኪንኡ ኣውጺኦም ኣብ መሬት ክወድቕ ክፍክርሉ ዘርኢ እዩ።
ንሱ፡ "ዋላ ሓንቲ ኣይገበርኩን!" ይብል። እቶም መኮንናት ግን በጥ ኢሉ ክድቅስ ይሓትዎ።
"ናብቲ መሬት ውረድ!" ሓደ መኮነን ይፍክር፡ ካልእ ድማ ከምኡ የፈራረሖ።
ሓደ መኮነን ዓው ኢሉ፡ "ከይሰበርኩኻ፡ ኣእዳውካ ብድሕሪ ሕቖኻ ኣቐምጥ" ኢሉ የፈራርሖ ።
"ኣቱም ሰባት ኣብዚ ሕጂ እዋን ብሓቂ ብዙሕ ነገር ትገብሩ ኣለኹም" ይብል ሚስተር ኒኮልስ ነቶም ሓለፍቲ።
"ገዛይ ክኸይድ ጥራይ እየ ዝጽዕር ዘለኹ።"
ኣብ ውሽጢ ካልኢታት ሓደ ካብቶም መኮንናት ንሚስተር ኒኮልስ መንብዒ ጋዝ ይትኩሰሉ፡ ንሱ ድማ ዘሊሉ ክሃድም ክኢሉ።
ካብ ኣብ ዓንዲ ዩቲሊቲ ዝተሰቕለት ሲሲቲቪ ካሜራ ዝተወስደ ፍሉይ ቪድዮ፡ እቶም መኮንናት ንሚስተር ኒኮልስ ኣብ መንበሪ ከባቢ ምስ ኣረከብዎ ክሃርምዎ ዘርኢ እዩ።
ክልተ መኮንናት ንሚስተር ኒኮልስ ንቑልቁል ኣፉ ደፊኦም ክሕዝዎ እንከለዉ፡ ካልኦት ድማ በብተራ ክረግጽዎን ብረጒድ በትሪ ክሃርምዎን ይረኣዩ።
ኣብ መሬት ጎቲቶም፡ ኣብ ጥቓ ጎማ እታ መኪና ደጊፎም ኮፍ ኢሉ ይረአ።
ኣምቡላንስ ክትመጽእ ክሳብ እትረአ ልዕሊ 20 ደቓይቕ ይሓልፍ።
ሳልሳይን ራብዓይን ቪድዮታት፡ ነቲ መግረፍቲ ብካሜራ ኣካላት ፖሊስ ዝተቐድሐ ስእሊ ዘርኢ ኮይኑ፡ ሚስተር ኒኮልስ ብተደጋጋሚ "ማማ!" እናበለ ከእዊ ይስማዕ።
እቶም ቪድዮታት፡ ሚስተር ኒኮልስ ኣብ ጥቓ እታ መኪና ተደፊኡ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ እቶም መኮንናት ዝርዝር ናይቲ ፍጻመ ንምዝንታው ነገር ክፍሕሩ ከምዝነበሩ ይሕብሩ።
ገለ ካብኣቶም፡ ሚስተር ኒኮልስ ከወጣውየሎም ወይ ድማ ጠበንጃኦም ክሕዝ ከምዝተመጣጠረ ይዛረብ፡ ዋላ'ኳ ካብቲ ዝተዘርግሐ ቪድዮ ክልቲኦም ክስታት ንጹር እንተዘይኮነ።
እቶም መኮንናት ኣብ መኪንኡ ዝኾነ ነገር ከምዘይተረኽበ ክዛረቡ እውን ይስማዕ።
ኣደ ሚስተር ኒኮልስ፡ ሮውቫን ዌልስ፡ ወዳ ካብ ገዝኡ ኣስታት 230 ጫማ ጥራይ ርሒቑ ከምዝነበረ፡ ኣባላት ፖሊስ መምፊስ "ቀቲሎምዎ" ኢላ።
ወከልቲ እታ ስድራቤት፡ ሚስተር ኒኮልስ ኣቦ ወዲ ኣርባዕተ ዓመት ወድን ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ክፍሊ ስእሊ ዝተመዝገበ ንፉዕ ተቐዳዳማይ ስኬትቦርድን ምዃኑ ገሊጾም።
ኣብ ትካል ምብጻሕ ፓስታት፡ 'ፌደክስ' ይሰርሕ ነይሩ።
ሓደ ካብቶም ጠበቓታት ኣንቶንዮ ሮማኑቺ፡ "እዚ መንእሰይ፡ ብመግለጺ ሕጊ ኣብዛ ግዝኣት፡ ራዕዲ'ዩ ተፈጺምዎ" ኢሉ።
እቶም ሓሙሽተ መኮንናት - ታዳርዮስ ቢን፡ ዲሜትሪየስ ሄሊ፡ ደስሞንድ ሚልስ ጁንየር፡ ኤሚት ማርቲን ሳልሳይን ጃስቲን ስሚዝን - ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ስራሕ ተባሪሮም።
ትማሊ ሓሙስ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዝኣተዉን ነፍሲ ወከፎም ብካልኣይ ደረጃ ቅትለት፣ ከቢድ መጥቃዕቲ፣ ከቢድ ጭውያ፣ ቅሉዕ ግጉይ ተግባርን ወጽዓን ተኸሲሶም ኣለዉ።
ካብቶም ሓሙሽተ እቶም ኣርባዕተ ብዋሕስ ዝተለቁ ኮይኖም፡ ክሳብ ዓርቢ ንግሆ ካብ ማእሰርቲ ከምዝተፈትሑ መዛግብቲ ቤት ማእሰርቲ ይሕብሩ።
ጠበቓታት ሚስተር ማርቲንን ሚስተር ሚልስን ዓማዊሎም ገበን ከምዘይብሎም ከእምኑ ምዃኖም ገሊጾም።
ዳይረክተር ፖሊስ መምፊስ ሴሪሊን ዳቪስ፡ ተግባራት እቶም ሓሙሽተ መኮንናት "ጽዩፍ፡ ሸለልትነትን ኢሰብኣውን" ክብል ገሊጹ።
ተቓውሞታት ክካየድ ትጽቢት ኣብ ዝግበረሉ እዋን፡ ሰበስልጣን እታ ሃገር፡ ተምሃሮ ቤት ትምህርትን ተጓዓዝትን ናብ ገዝኦም ክበጽሑ ግዜ ምስ ክረኽቡ፡ ነቲ ቪድዮ ዓርቢ ምሸት ክዝርግሕዎ ከምዝወሰኑ፡ ንማዕከናት ዜና ኣሜሪካ ገሊፆም።
ብዓርቢ ምሸት ኣብ ከባቢ መምፊስ ዝርከብ ድልድል ጽርግያ ሰልፈኛታት ክዓጽውዎ እንከለዉ፡ ኣብ ኒውዮርክን ዋሽንግተን ዲሲን ሓዊሱ ኣብ ካልኦት ከተማታት ኣመሪካ ድማ ንኣሽቱ ሰልፍታት ተኻይዶም።
ሓደ ኣብቲ ናይ መምፊስ ሰልፊ ሰልፈኛ ዝኾነ ወዲ 21 ዓመት ኪሪዮን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ቆልዓ ከሎ ናብ ሓይሊ ፖሊስ እታ ከተማ ክጽንበር ይሓልም ከምዝነበረ፡ ሕጂ ግን እቲ ሕልሚ ተበታቲኑ ኢሉ።
"እከይ ጥራይ'ዩ፡ እቲ ስርዓት ንዘልኣለም ክፉእ ክኸውን'ዩ። እዚ ስለዝኾነ ድማ እየ ሎሚ ኣብዚ ወጺአ ዘለኹ፡ ካብ ሕጂ [ፖሊስ] ክከላኸለለይ ክጽበ ኣይክእልን እየ።"
"እቲ ሰብኣይ ብርኩ ኣብ ክሳደይ ከእቱ፡ ወይ ንታሕቲ ሒዙኒ ናብ ፓልፕ ክሃርመኒ ከምዘይኮነ ከመይ ጌረ ክፈልጥ?" ኢሉ።
እቶም ቪድዮታት ምስ ተዘርግሑ፡ ቤት ጽሕፈት ሸሪፍ ሸልቢ ካውንቲ፡ ክልተ ምክትላቱ እውን፡ መርመራ ክሳብ ዝዛዘም ካብ ስራሕ ከምዝተኣልዩ ገሊጹ።