ምምራዝ ተማሃሮ ኢራን፡ 'ገለ ሰባት ኣብያተ ትምህርቲ ደቂ ኣንስትዮ ክዕጸዋ ይደልዩ እዮም'

Published

ቢቢሲ ኣብ ኢራን ብውሕዱ 650 ተማሃሮ ደቂ ኣንስትዮ ምምራዝ ከምዘጋጠመን ከረጋግጽ እንከሎ፡ ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን እታ ሃገር እተን ተማሃሮ ብደይመደይ ዕላማ ከምዝተገበራ ብወግዒ ተኣሚኑ።

ዋላ’ኳ ካብ መንጎአን ሞት እንተዘይኣጋጠመ ጸገማት ምስትንፋስ፡ ስግድግድ፡ ጽርውርው ምባልን ደኻምን ዝተርኣየለን ብዓሰርተታት ዝቑጸራ ኣብ ሆስፒታል ክድቅሳ ከምዝተገደዳ ይግለጽ።

ምኽትል ሚኒስተር ጥዕና ኢራን ዩነስ ፓናሂ፡ ብሰንበት ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ “ገለ ሰባት ኩለን ኣብያተ ትምህርቲ፡ ብፍላይ ከኣ እተን ናይ ደቂ ኣንስትዮ ኣብያተ ትምህርቲ ክዕጸዋ ደልዮም ከምዝነበሩ ዘርኢ እዩ” ኢሉ።

ዛጊት እቲ እንኮ ዝተዋሃበ ወግዓዊ መግለጺ፡ ዋና ኣኽባር ሕጊ ነቲ ምምራዝ ብዝምልከት ገበናዊ መርመራ ከምዝጀመረን፡ ‘ኮነ ኢልካ ዝተፈጸመ’ ክኸውን ከምዝኽእልን ዝገልጽ እዩ ኔሩ።

ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ኣዋርሕ፡ ደቂ ኣነስትዮ ተማሃሮ ቅድሚ ምሕማመን ጨና ናይ መንደሪን ወይ ዝመሽመሸ ዓሳ ከምዝጨንወን ክገልጻ ተሰሚዐን።

“እቲ ኣብ ጥቕሚ ዝወዓለ ኬሚካል ብዙሕ ከቢድ ዘይኮነን ኣብ ዝኾነ ቦታ ክርከብ ዝኽእልን እዩ፡” ዝብል ዶክተር ዩነስ ፓናሂ “እተን ተማሃሮ ብዙሕ ከቢድ ሕክምና ከምዘየድልየን” ገሊጹ።

እቲ ዶክተር ድሒሩ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ እቲ መግለጺኡ ‘ጌጋ ትርጉም’ ከምዝተዋቦ ተዛሪቡ።

እዚ ኣብ መሪሕነት እታ ሃገር፡ ኣብ ጉዳይ ኣተኣላልያ ህዝባዊ ተቓውሞ ምክፍፋል ከምዘሎ ዘአንፍት ምዃኑ ይግመት።

እታ ሃይማኖታዊት ከተማ ኮም ቀንዲ ማእከል ናይቲ ጃምላዊ ምረዛ እኳ እንተኾነት ኣብ ሸሞንተ ካልኦት ከተማታት ኢራን’ውን ተመሳሳሊ ክስተት ተፈጺሙ እዩ።

ኣብቲ ህዝቢ ዝጸንሐ ዘይምዕጋብ እናዓበየ ይኸይድ ኣሎ።

እቲ ናይ መጀመርታ ምምራዝ ብ 30 ሕዳር 2022 ዝተፈጸመ ኮይኑ፡ 18 ተማሃሮ ቤት ትምህርቲ ስነኪነት ኩዎም ናይ ምምራዝ ምልክታት ምስ ኣርኣያ ናብ ሆስፒታል ተወሲደን።

ብድሕሪኡ ልዕሊ 10 ኣብቲ ዞባ ዝርከባ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ኣብያተ ትምህርቲ ዕላማ ኮይነን።

ኣብ መፋርቕ ለካቲት ብውሕዱ 100 ሰባት ኣብ ፊት ቤትጽሕፈት ኣመሓዳሪ ኩዎም ተቓውሞ ኣስሚዖም።

ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝተዘርግሐ ቪድዮ፡ ሓደ ኣቦ “ድሕነት ደቀይ ክተውሕስ ግዴታኻ እዩ! ክልተ ደቂ ኣለዋኒ። ክልተ ደቂ . . . እቲ እንኮ ክገብሮ ዝኽእል ከኣ ናብ ትምህርቲ ካብ ምኻድ ምኽልካል እዩ።” ክብል ይስማዕ።

ሓንቲ ሰበይቲ ኣብ ኣኼባ “እዚ ኲናት እዩ! ነዚ ኣብ ናይ ኣዋልድ ቤት ትምህርቲ ኩዎም እዮም ዝገብርዎ ዘለው፤ ኣብ ገዛ ኮፍ ክንብል እዮም ዝደልዩና። እተን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ገዛ ክኾና እዮም ደልዮም!” ኢላ።

ገለ ወለዲ፡ ደቆም ድሕሪ እቲ ምምራዝ ንሰሙናት ከምዝሓመማ ገሊጾም።

ኣብ ካልእ ኣብ ሆስፒታል ዝተስኣለ ቪድዮ ከኣ ሓንቲ ንእስቲ ኣብ ዓራት ደቂሳ ኣዲኣ ኣብ ጎድና የርኢ።

እታ ኣደ “ክቡራን ኣዴታት፡ ኣነ ወላዲት እየ፡ ጓለይ ከኣ ኣብ ሆስተፒታል ደቂሳ ኣላ ኣእጋራ ደኺሙ እዩ፡” ክትብል ትስማዕ።

ቀጺላ’ውን “እንተቖንጠኽዋ’ውን ዝስምዓ ነገር የለን። በጃኻትክን ደቅኽን ናብ ቤት ትምህርቲ ኣይትልኣኻ፡” ትብል።

ሃይማኖታዊት ማእከል

እቲ መጥቃዕትታት ብቐንዱ ኣብታ ማእከል ናይ ሺዓ ሃይማኖታውያን መራሕቲን ዓንዲ ሕቖ ናይታ እስላማዊት ሪፓብሊክን ዝኾነት ኩዎም እዩ ተፈጺሙ።

እንተኾነ ግና ኩርዳዊት ማሻ ኣሚኒ ‘ርእስኺ ብግቡእ ኣይተጎልበብክን’ ብዝብል ኣብ ዝሓለፈ መስከረም ኣብ ቀይዲ ፖሊስ እንከላ ድሕሪ ምማታ እቲ ስልጣኖም ከቢድ ብድሆ ገጢምዎ ኣሎ።

ገለ ኢራናውያን፡ እቲ ኣብ ልዕሊ መንእሰያት ደቂ ኣንስትዮ ዝፍጸም ዘሎ መጥቃዕትታት ግብረመልሲ ናይቲ ዝሰዓበ ገዚፍ ጸረ መንግስቲ ተቓውሞታት ዶ ይኸውን ክብሉ ይጥርጥሩ።

ማሕበራዊ መራኸቢታት ተማሃሮ ደቂ ኣንስትዮ መጎልበቢ ርእሰን ቀሊዐን ብዘርኢ ስእልታት ኣዕለቕሊቑ ተራእዩ።

ብዙሓት’ውን እዚ መጥቃዕትታት፡ እቶም ኣኽረርቲ፡ ንኣፍጋኒስታናዊ ጣሊባንን እስላማዊ ጉጅለ ናይጀርያ ቦኮ ሓራምን ብምቕዳሕ፡ ወለዲ፡ ኣዋልድ ደቆም ናብ ቤት ትምህርቲ ካብ ምልኣኽ ንምፍርራሕ ዝገበርዎ ክኸውን ከምዝኽእል ይግምቱ።

ምክትል ፕረዚደንት ኢራን ነበር ሞሓማድ ዓሊ ኣብታሂ ኣብ ኢንስታግራም “ቦኮ ሓራም ናብ ኢራን መጺኡ ድዩ?” ክብል ለጢፉ።

ንሱ ወሲኹ፡ “ጥሩፋት ንደረት መንግስትን ሃይማኖትን ከምድላዮም እዮም ዝትርጉምዎ” ኢሉ።

መንግስቲ ኢራን ደቂ ኣንስትዮ ጉልባብ ርእሲ ክገብራ ምግዳድ ዝርከብዎ ጸቕጥታት ብምግባሩ ይንቀፍ እኳ እንተኾነ ኣይቅበሎን። ብዝሒ ኣብ ዩኒቨርስቲ ዝኣትዋ ደቂ ኣንስትዮ ዓቢይ ከምዝኾነ’ውን ይገልጽ።

ሓንቲ፡ ክልተ ግዜ ከምዝተመረዘት እትገልጽ ተማሃሪት፡ እቲ ብሰብ መዚ ዝወሃብ መግለጺታት ዘይንጹርን ኣጋጋዪን ምዃኑ ምስ ኣመሓዳሪ ኩዎም ኣብ ዝተገበረ ኣኼባ ተዛሪባ።

“ንሳቶም [እቶም ሓለፍቲ] ኩሉ ጽቡቕ ምህላው፡ መርመራ ከምዝገበሩ እዮም ዝነግሩና። ኣቦይ ኣብ ቤት ትምህርተይ ከይዱ ምስ ሓተተ ግና፡ ይቕረታ፡ እቲ ናይ መከታተሊ ካሜራ ንሓደ ሰሙን ዝኸውን ይሰርሕ ብዘይምንባሩ ክንምርምሮ ኣይከኣልናን ኢሎምዎ፡” ትብል።

“ብሰንበት፡ ንካልኣይ ግዜ ምስ ተመረዝኩ ከኣ፡ ዳይሬክተር እቲ ቤት ትምህርቲ ‘ናይ ልቢ ጸገም ኣለዋ፡ በዚ እያ ናብ ሆስፒታል ኣትያ’ ኢሉ። ኣነ ግና ናይ ልቢ ጸገም የብለይን!” ኢላ።