ዩጋንዳ፡ ዝበዝሑ ኤርትራውያንን ዝርከብዎም ኣስታት 200 ስደተኛታት ኣሲራ

ካምፓላ፡ ዩጋንዳ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

Published

ዩጋንዳ ዝበዝሑ ኤርትራውያን ገለ ኢትዮጵያውያንን ዝርከብዎም ‘ዘይሕጋውያን’ ዝበለቶም ኣስታት 200 ስደተኛታት ከም ዝኣሰረት ምፍላጥ ተኻኢሉ።

ቢቢሲ ዝረኸቦ፡ ካብ 'ቤት ጽሕፈት ምቁጽጻር ዜግነትን ኢሚግሬሽንን' ዝተጸሕፈ ደብዳበ ከም ዘመልክቶ፡ ብ5 ጥቅምቲ 2022 ለይቲ ዝተኻየደ ጸጥታዊ ወፍሪ ስዒቡ፡ ኣብ ቦንጋ፣ ካባላጋላ፣ ካንሳንጋን ሙያንጋን ካብ ዝበሃሉ ከባብታት ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ዝርከብዎም ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎም ስደተኛታት ተኣሲሮም።

ካብቶም ኣብ ቀይዲ ዝወዓሉ 116 ኤርትራውያን፣ 62 ሶማልያውያን፣ 5 ኢትዮጵያውያን፣ ከምኡ ድማ ሰለስተ ዜጋታት ቻይና፣ ካናዳን ኣየርላንድን ይርከብዎም።

እቲ ሰነድ ከም ዝብሎ፡ ዝበዝሑ ካብቶም ኣብ ቀይዲ ዝወዓሉ፡ ኣብ 1990ታት ዝተወልዱ መናእሰይ እዮም።

መብዛሕትኦም፡ ዝዀነ ሕጋዊ መለለዪ ወረቐት ዘይብሎም ኰይኖም፡ ገሊኦም ድማ፡ መዓልቱ ዝሓለፎ ናይ ስራሕ ፍቓድ ዝሓዙን ኣብ ዘይተፈቕደሎም ንጥፈታት ክንቀሳቐሱ ዝተረኸቡን ምዃኖም ይግለጽ።

እቲ ሰነድ፡ እቶም ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ፡ ኣብታ ሃገር 'ብዘይ ሕጋዊ መገዲ ብምንባር' ብዝብል ገበን ክኸሰሱ ምዃኖም የመልክት።

ከምኡ'ውን፡ እቲ ቤት ጽሕፈት ምስ ዘይሕጋዊ ዕጸ ፋርስ ብምዝውዋር፣ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባትን ዝተኣሰሰሩ ገበናትን ካልእን ብዝምልከት ርክብ ዘለዎም እንተዀይኖም፡ ምስ ካልኦት ማእከላት ድሕነት ብምትሕብባር ምጽራይ የካይድ ከም ዘሎ ሓቢሩ።

ኣብ ዩጋንዳ፡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብብዝሒ ካብ ዝርከቡለን ሃገራት ኣፍሪቃ ሓንቲ ኰይና፡ ብፍላይ ኣብ ካምፓላ ድማ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ሸቕላዊ ስራሕቲ ከም ዝነጥፉ ጸብጻበት ይሕብሩ።

ብፍላይ ካባላጋላ ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ከባቢ፡ ማእለያ ዘይብሎም ብኤርትራውያን ዝወነኑ ትካላት ይርከቡ።

ኣስማት እዞም ኣብ ጎዶና ሙየንጋ ዝርከብ ባራት፡ ኣብያተ መግቢ፡ እንዳ ቡንን ቤት ቁርስን መብዛሕትኡ ብሽም ወነንቱ ዝጽዋዕ ኰይኑ፡ እቲ ዝተረፈ ካብ ናይ ኣስመራ ባራት ዝርዓመ ኣስማት'ዩ ዝጽዋዕ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥቅምቲ 2021፡ ኣብ ዩጋንዳ "ብዘይሕጋዊ" መንገዲ ኣብታ ሃገር ኣትዮም ዝተባህሉ 15 ኤርትራውያን ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተዉ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ጸብጺበን ምንባረን ይዝከር።

እቶም ካብ ኬንያ ተበጊሶም ናብታ ሃገር ክኣትዉ ዝፈተኑ ኤርትራውያን፡ ኣብ ቶሮሮ ዝተባህለት ኣብ ጥቓ ዶብ ኬንያ እትርከብ ከተማ ከም ዝተታሕዙ እቶም ጸብጻባት ጠቒሶም።

እቶም 11 ደቂ-ኣንስትዮ ዝርከብኦም ስደተኛታት፡ "ሰነድ መንነት" ከም ዘይነበሮምን፡ ኣብ "ምባለ ማእከላይ መደበር ፖሊስ" ተታሒዞም ከም ዘለውን ዴይሊ ሞኒተር ዝተባህለ ጋዜጣ እታ ሃገር፡ ንምጭታት ጸጥታ ብምጥቃስ ሓቢሩ ነይሩ።