ንጓል 101 ዓመት ሽማግለ ብተደጋጊሚ ‘ህጻን’ ኢሉ ዝተደናገረ መንገዲ ኣየር

Published

ጓል 101 ዓመት ሽማግለ፡ ኣብ ስርዓተ ምዝገባ መንገዲ ኣየር ብዝተፈጥረ ጌጋ፡ ብተደጋጋሚ ‘ህጻን’ ተባሂለን ተመዝጊበን።

እቲ ጸገም ዝፍጠር፡ ስርዓታት መንገዲ ኣየር ኣመሪካ፡ እተን ስም ኣባሓጐኣን ክጥቀስ ዘይደልያ እነይ ፓትሪሻ፡ መዓልቲ ልደት 1922 ኢሉ ክምዝግብ ብዘይምኽኣሉ እዩ። ኣብ ክንድኡ ድማ 2022 ኢሉ ይመዝግብ።

ቢቢሲ ነቲ ዝተፈጥረ ምድንጋር ዝተዓዘበ ዀይኑ፡ እተን ሽማግለን እቶም ሰራሕተኛታት እታ ነፋሪትን ክስሕቑ ክኢሎም።

“ንእሽቶ ቆልዓ እየ መሲለዮም፡ ኣነ ግን ኣረጊት ሽማግለ እየ፡ ኣዝዩ ዘስሕቕ’ዩ ነይሩ” ኢለን።

እተን ጓል ሚእቲ ዓመት በዓልቲ ጸጋ ዕድመ፡ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ተመሳሳሊ ጸገም ኣጋጢሙ ምንባሩ ብምዝካር እቲ ጌጋ ክእረም ከም ዝደልያ ተዛሪበን።

ንኣብነት ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ ሰራሕተኛታት መዓርፎ ነፈርቲ፡ ሰብ ዝሓቑፋ ህጻን ስለዘተጸበዩ፡ ኣብ ውሽጢ እታ ነፈርቲ ንዓአን ዝኸውን ወንበር ኣይነበሮምን።

እቲ ጸገም፡ ፓትሪሻ ኣብ መንጎ ቺካጎን ማርኬት ሚቺጋንን ኣብ ዝበራሉ እዋን እዩ ኣጋጢሙ - ጋዜጠኛ ቢቢሲ እውን ዝጓዓዘሉ ዝነበረ በረራ እዩ።

ፓትሪሻ ምስ ጓለን ክሪስ እየን ዝበራ ነይረን።

"ጓለይ ነቲ ትኬት ብኢንተርነት ቡክ ገይራ [ኣዚዛ]፡ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ዘላ ኮምፒተር ድማ ዕለተ ልደተይ 1922 ዘይኰነስ 2022 መሲልዋ" ኢለን።

"ዓሚ'ውን ተመሳሳሊ ነገር እዩ ኣጋጢሙ ነይሩ፡ ንሳቶም'ውን ንዓይ ዘይኮነስ ቆልዓ እዮም ዝጽበዩ ነይሮም።"

ትኬት ፓትሪሻ ከም ናይ ዓበይቲ እዩ ተቖሪጹ።

እቲ ናይ መዓርፎ ነፈርቲ ስርዓተ-ኮምፒተር ግን፡ ክሳብ እዚ ዕለት ልደት ከሰላስል ዘይከኣለ ይመስል።

ስለዚ ኣብ ክንድኡ ድሕሪ 100 ዓመት፡ ነቲ ዕለተ ልደት ‘ሓደ’ ኢሉ ጀሚሩ።

እተን ዓመት ዓመት ስድራቤት ንምርኣይን፡ ካብቲ ዝሑል ክረምቲ ንምልጋስን ዝነበራ ነርስ ነበር፡ ዋላ'ኳ እቲ ምድንጋር እንተተፈጥረ፡ ኣብ ክልቲኡ ኣጋጣሚታት ሰራሕተኛታት መንገዲ ኣየር ኣመሪካ ሕያዎትን ሓገዝትን ምንባሮም ይዛረባ።

መንገዲ ኣየር ኣመሪካ ንዝቐረበሉ ሕቶ ምላሽ ኣይሃበን።

እተን ጓል ሚእቲ ዓመት፡ እቲ ጌጋ ክእረም ከም ዝደልያ ግን ይዛረብ።

ኣብ ዝሓለፈ በረራ፡ ሰራሕተኛታት መዓርፎ ነፈርቲ ዓረብያ ስንኩላን ስለዘየዳለዉ፡ ፓትሪሻን ጓላን ካልኦት ተሳፈርቲ ወጺኦም ክሳብ ዝውድኡ፡ ኣብ ውሽጢ ነፋሪት ክጽበያ ተገዲደን።

እቲ ብተደጋጋሚ ዝኽሰት ዘሎ ጌጋ እንተዝዕረ ንጓለን’ውን ጠቓሚ ምዃኑ ተዛሪበን።

"መስኪን ጓለይ ካብ ሓደ ኣፍደገ ናብቲ ካልእ ዳርጋ ሓደ ማይል ርሒቑ ዝርከብ፡ ሻንጣናን ክዳውንትናን ክትስከም ስለ ዝተገደደት፡ ኮምፒተሮም ከዓርዩ ደስ ይብለኒ"።

ዝቕጽል ጉዕዞ ፓትሪሻ

ፓትሪሻ ክሳብ ጓል 97 ዓመት ዝኾና፡ ንበይና'ዃ ይጓዓዝ እንተነበራ፡ ካብ ሽዑ ጀሚረን ግን ኣብ ሓገዝ ስድራአን ይምርኮሳ።

“ሕጂ ኣብ ዓይነይ ገለ ጸገም ስለዘለኒ ባዕለይ ክገብሮ ኣይደፍርን”።

እቲ ናይ ጸገማት ደጊሙ ካብ በረራ ከምዘየደናጉየን ተስፋ ብምስናቕ፡ ዝቕጽል በረራአን ኣብ ቀውዒ ብሃንቀውታ ይጽበየኣ ኣላዋ

ኣብቲ እዋን ዕድሚኤን 102 ዓመት ክኸውን'ዩ።

ምናልባት ኣብቲ እዋን እቲ መንገዲ ኣየር ነቲ ሓቀኛ ዕድመ ፓትሪሻ ክምዝግበን ይኽእል ይኸውን።