እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣባል ሓይሊ ኣየር ኣሜሪካ ፖሊስ ብዝተኰሰሉ ጥይት ኣብ ገዛኡ ተቐቲሉ
ፖሊስ ፍሎሪዳ፡ ንሓደ ኣባል ሓይሊ ኣየር ኣሜሪካ ኣብ ገዛኡ ብጥይት ካብ ዝቐተሎ ምክትል ሸሪፍ ዝተረኽበ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ንህዝቢ ዕላዊ ገይሩ።
እቲ ቪድዮ ኣብ ሰብነት እቲ ፖሊስ ተገጢሙ ካብ ዝነበረ ካሜራ ዝተረኸበ እዩ።
ወዲ 23 ዓመት ላዕለዋይ ኣባል ኣየር ሮጀር ፎርትሰን ናብ ሆስፒታል ከምዝተወስደን ኣብኡ ከምዝሞተን ሰበስልጣን ገሊጾም።
ጠበቓ ስድራቤት ግዳይ፡ ፖሊስ ናብ ዝተጋገየ ገዛ ብሓይሊ ከምዝኣተወ ንሓደ ምስክር ብምጥቃስ ከሲሱ።
ፖሊስ ኣንጻር ነቲ ክሲ ብምቅዋም፡ እቲ ምክትል ሸሪፍ ንፎርትሰን ሽጉጥ ሒዙ ምስ ረኣዮ ንነብሱ ንምክልኻል ግብረ መልሲ ከምዝሃበ ገሊጹ።
እቲ ኣባል ሓይሊ ኣየር ብ3 ግንቦት’ዩ ኣብ ገዝኡ እናሃለወ ብጥይት ተሃሪሙ።
ጥይት ተኲሱ ዝቐተሎ ስሙ ዘይጠቐሰ ኣባል ፖሊስ ካብ ሽዑ ጀሚሩ ብምምሕዳራዊ ዕረፍቲ ካብ ስርሑ ክእለ ተገይሩ ኣሎ።
ዋና ኣዛዚ ፖሊስ ኣውራጃ ኦካሎሳ ዝዀነ ኤሪክ ኣደን፡ እቲ ቕትለት ብክፍሊ ኣኽበርቲ ሕጊ ፍሎሪዳን ቤት ጽሕፈት ዓቃቢ ሕጊ ኣውራጃኦምን ይምርመር ከምዘሎ ኣፍሊጡ።
"ግሉጽነትን ተሓታትነትን" ብዝጥዕም መገዲ ውጽኢት እቲ ምርመራ ከምዘፍልጡ ብምግላጽ "ከምዚ ዓይነት መርመራታት ግን ግዜ ይወስድ እዩ" ኢሉ።
"ግን ከኣ ንሓብእን ንሸፋፍንን ከምዘየለና ከምኡ’ውን ኣብ ልዕሊ ሚስተር ፎርትሰን ኮነ ምክትልና ናይ ታህዋኽ ፍርዲ ዘስዕብ ዝዀነ ይዅን ስጕምቲ ከምዘይንወስድ ከረጋግጸልኩም እደሊ" ክብል ተዛሪቡ።
ኣብ ገዛ እቲ ኣባል ሓይሊ ኣየር እንታይ’ዩ ኣጋጢሙ?
ነቲ ቅትለት ዘርኢ ኣብ ክዳን እቲ ኣባል ፖሊስ ካብ ዝተገጠመ ካሜራ ዝተቐድሐ ናይ ኣርባዕተ ደቓይቕ ቪድዮ ተዘርጊሑ’ሎ።
ኣብቲ ቪድዮ ከኣ ፖሊስ ናብቲ ፎርትሰን ዝነብረሉ ገዛ ክበጽሑ ይረኣዩ። ካብኡ ብሓንቲ ካብቲ “ገዛ ዝወጽእ ድምጺ ባእሲ ከም ዝሰምዐት” ዝገለጸት ምስክር እናተመርሑ ናብ ሊፍት ይኣትዉ።
ብድሕሪኡ እቲ ምክትል ሸሪፍ ንበይኑ ናብ ቅድሚ ማዕጾ ገዛ እቲ ኣባል ሓይሊ ኣየር ቀሪቡ ኳሕኲሑ። ክልተ ግዜ ድማ ኣባል "ቤት ጽሕፈት ሸሪፍ" ምዃኑ ጠቒሱ።
ፎርትሰን ማዕጾ ክኸፍት ከሎ ኣብ የማናይ ኢዱ ሽጉጥ ሒዙ ይረኣይ። ብድሕሪኡ እቲ ምክትል ማዕጾ ምስ ተኸፍተ ብኡንብኡ ተደጋጋሚ ተዅሲ ብምትኳስ ነቲ ሽጉጥ ክድብርዮ ንፎርትሰን ነጊርዎ።
ሽዑ ፎርትሰን ኣብ መሬት ወዲቑ "ኣብኡ እዩ ዘሎ። ምሳይ የለን" ክብል ይስማዕ።
ጠበቓ ስድራቤት ፎርትሰን ቤን ክራምፕ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ፎርትሰን "ኣሜሪካ ካብ ዘለውዋ ብሉጻት ሓደ እዩ ነይሩ" ክብል ተዛሪቡ።
"ፈታዊ ዓዱ እዩ ነይሩ። ንስለ ህይወትና ይቃለስ ነይሩ። ንስለ ኵሉ ሰብ ይቃለስ ነይሩ" ኢሉ እቲ ጠበቓ ኣብ መግለጺኡ።
ኣደኡ ቻንቲመኪ ፎርትሰን ድማ እናበኸየት "ወደይ ኵሉ ነገረይ እዩ ነይሩ" ኢላ።
ጠበቓ ስድራቤት ፎርትሰን ቤን ክራምፕ፡ ኣብቲ ቅትለት ዝተፈጸመሉ እዋን ፎርትሰን ምስ ሓንቲ መሓዛኡ ኣብ ናይ ቪድዮ ዕላል ከምዝነበረን፡ እታ ብቪድዮ ተዕልሎ ዝነበርት መሓዛኡ ድማ ነቲ ሽዑ ዝሰምዓቶ ነገር ንጠበቓታት ስድራኡ ከምዝተዛረበትን ገሊጹ።
ንሳ፡ ኣብ መንጐ ዕላሎም ማዕጾ ገዛኡ ክኹሕኩሕ ሰሚዑ ‘መን ኢኻ?’ ኢሉ ከምዝሓተተን መልሲ ግን ከምዘይረኸበን ብምግላጽ፤ ብድሕሪኡ ንኻልኣይ ግዜ "ኣዝዩ ሓይሊ ዝተመልኦ ምኹሕኳሕ" ከምዝተሰምዐን በቲ ንደገ እተማዕድወሉ ኣብ ማዕጾ ዘሎ ንኢሽተይ ነዃል ክጥምት ከሎ ግን ዝኾነ ሰብ ከምዘይረኣየን ኣረዲኣ።
ብድሕሪኡ ነይሩ ፎርትሰን ስግኣቱ ስለዝወሰኸ ነቲ ብሕጋዊ መንገዲ ዝውንኖ ዝነበረ ሽጉጡ ሒዙ ዝተመለሰ ይብል ጠበቓ ስድርኡ።
ፎርትሰን ናብ ሳሎኑ ክምለስ ከሎ ፖሊስ በቲ ማዕጾ ሰቢሮሞ፤ ሽዑ ከኣ ንፎርትሰን ምስ ሽጉጡ ምዃኑ ርእዮም ሽዱሽተ ግዜ ብጥይት ተኲሶም ከምዝቐተልዎ እታ ምስክር ገሊጻ።
ጠበቓ ቤን፡ እታ ምስክር ኣብቲ እዋን ፎርትሰን በይኑ ስለዝነበረን ኣብ መንበሪ ገዝኡ ዝኾነ ባእሲ ስለዘይጸንሐን እቶም መኮንናት ናብ ግጉይ ኣፓርታማ እዮም ኣትዮም ኢላ ከምእትኣምን ገሊጹ።
ዋና ኣዛዚ ፖሊስ እቲ ኣውራጃ ግን መኮንናቱ ናብ ዝተጋገየ ኣድራሻ ከይዶም ንዝብል ነጺጉዎ’ሎ።
ቤት ጽሕፈት ሸሪፍ ኣቐዲሙ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ምክትል "ሓደ ሽጉጥ ዝዓጠቐ ወዲ 23 ዓመት መንእሰይ ምስ ኣጋጠሞ ኣኽባሪ ሕጊ ምዃኑ ብምግላጽ ንነብሱ ንምክልኻል ግብረ መልሲ ሂቡ" ክብል ኣፍሊጡ ነይሩ።
ጠበቓ ቤን ክራምፕ ብወገኑ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ፖሊስ "ዘይምኽኑይ ዝዀነ ካብ መጠን ንላዕሊ ሓይሊ ምጥቃም ምኽንያታዊ ንምግባር" ይፍትን ኣሎ ክብል ከሲሱ።
መረዳእታ ሓይሊ ኣየር ኣሜሪካ ከምዘመልክቶ ፎርትሰን ኣብ 4ይ ፍሉይ ስርሒታት ስኳድሮን ተመዲቡ ኣብ ሕዳር 2019 ናብ ንጡፍ ስራሕ ኣትዩ።