እገዳታት ሩስያ ኣብ ልዕሊ ቢልዮነራት እታ ሃገር ዘለዎ ጽልዋ እንታይ’ዩ?
Published
ብሪጣንያ፡ ኣውሮጳዊ ሕብረት፡ ኣሜሪካን ካልኦት መንግስታትን ነቲ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝፈጸመቶ ወራር: ኣብ ልዕሊ እቶም ምስ ፕረዚደንት ፑቲን ቅርበት ከምዘለዎም ዝግለጽ ቢልዮነራት ከቢድ እገዳታት ብምግባር እዮም ምላሽ ሂቦም። እዚ ከኣ ክቡራት ጀላቡ፡ ቪላታትን ናይ ውልቂ ነፈርትን ከይተረፈ ክተሓዙ ገይሩ ኣሎ።