እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
70 ቘልዑ ዘዕበየ ሩስያዊ ካህን፡ ዓመጽ ፈጺምካ ብዝብል ክእሰር ተፈሪዱ
ቤት ፍርዲ ሩስያ፡ ኣስታት 70 ቖልዑ ከም ዘዕበየ ዝንገረሉ ኒኮላይ ስትረምስኪ ዝተባህለ ካህን ኦርቶዶክስ ነበር፡ ኣብ ልዕሊ ህጻናት ብዝፈጸሞ ግፍዕታት ን21 ዓመታት ክእሰር ፈሪዱ።
እቲ ካህን ኣብታ ኣብ ደቡብ ምዕራብ ሩስያ ኣብ እትርከብ ኡራውያንስ ኣብ እትብሃል ዘገልግለላ ዝነበረ ቤተክርስትያን፡ ንሓያሎ ቘልዑ ጾታዊ ዓመጽ ብምፍጻሙ ገበነኛ ምዃኑ ተገሊጹ።
እቲ ካብ ዝዓበየ ስድራ ቤት ሩስያ ዝውለድ ካህን በቲ ዝፈጸሞ በደል ክህነቱን ክብሩን ከምእተገፈፈ ተፈሊጡ።
ስትረስኪን በዓልቲ ቤቱን ካብ መጀመርታ 1990ታት ኣትሒዞም፡ ኣብቲ ዞባ ካብ ዝርከብ መዕበዪ ዘኽታማት ቐልዑ የዕብዩ ነይሮም። ነቶም ዘዕበይዎ 70 ዝዀኑ ቖልዑ ከኣ ንመብዛሕቶም ካብ ንእስነቶም ኣትሒዞም እዮም ኣዕብዮምዎም።
እቲ ካህን ኣብ ልዕሊ ሸውዓተ ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ጾታዊ ግህሰትን ዓመጽን ፈጺምካ ተባሂሉ እዩ ካብ 2019 ኣትሒዙ ተኣሲሩ ዘሎ። ንሱ ግን ነቲ ቀሪቡሉ ዘሎ ክሲ ጸለመ እዩ ክብል ይነጽጎ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ሓንቲ ካብቶም ዘዕበዮም ቘልዑን ሰብኣያን ብዘይሕጋዊ መገዲ ንሓርነት ቘልዑ ቀዪድኩም ብዝብል ኣብ ዝባኖም ዝጸንሕ ፍርዲ ተዋሂቡዎ ነይሩ።
እቲ ቤት ፍርፊ ንስትረውስኪ ፈጺሙዎ ብዝተባህለ ገበን ንዝመጽእ 20 ዓመት ምስ ቈልዑ ከይሰርሕን ኩሉ ዝነበሮ ክብርን መዝነትን ክህነትን'ውን ክግፈፍ ወሲኑ ኣሎ።