ፈረንሳ ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ምስ ዓባይ ብሪጣንያ ብዕቱብ ክትዛተ ከምትደልይ ኣፍሊጣ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ፈረንሳ ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ምስ ዓባይ ብሪጣንያ ክዛተይ ከምዝደሊ ኣፍሊጡ። እቲ ዘተ ልዑል ትኹረት ክወሃቦ ይግባእ'ውን ኢሉ።
ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ፈረንሳይ ናብ ዓባይ ብሪጣንያ እንክሰግሩ 27 ስደተኛታት ምሟቶም ስዒቡ፡ ሰብመዚ ኣውሮጳ ኣብ ዘካየድዎ ኣኼባ እዩ፡ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ፈረንሳይ ጀራርድ ዳርማኒን ነዚ ገሊፁ ዘሎ።
ኣብቲ ኣኼባ ክትርከብ ዝተዓደመት ዓባይ ብሪጣንያ፡ ኣብዚ ቅነ ብሰንኪ ምስ ፈረንሳይ ኣትያቶ ዘላ ምስሕሓብ ከይተሳተፈት ተሪፋ።
ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ዓባይ ብሪጣንያ ፕሪቲ ፓቴል፡ ሃገራ ኣብቲ ኣብ ካለይ ዝተኻየደ ኣኼባ ብዘይምስታፋ "ዘይምዕዳል" ክትብል ገሊጻቶ።
እንተኾነ ኣብዚ ሰሙን ምስ ሰብመዚ ኣውሮጳ ካልእ ህጹጽ ዘተ ንምክያድ ከምዝተለመት ኣፍሊጣ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ ቦሪስ ጆንሰን ፈረንሳይ ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ንዝኣተዉ ስደተኛታት መሊሳ ክትወስዶም ምፅውዑ ተኸቲሉ ፕረዝደንት ፈረንሳይ ኢማኑኤል ማክሮ ብቴለፎን ሕርቃን ዝተሓወሶ ዘረባ ምስ ቦሪስ ጆንሰን ምስ ተዛረበ እያ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብቲ ኣኼባ ከይተሳተፈት ተሪፋ።
ፕረዝደንት ማክሮን፡ ቦሪስ ጆንሰን እቲ ናይ ፃውዒት ደብዳበ ብመገዲ ትዊተር ምቅልሑ ቁምነገር ዘይብሉ ክብል ከሲሱ።
መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ብወገኑ፡ እቲ ደብዳበ ሓቃዊ ከምዝኾነን ፈረንሳይ ነቲ ፃውዒት ኣብ ግምት ክተአትውን ፀዊዑ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ቦሪስ ጆንሰን፡ "እዚ ብሓባር ክንፈትሖ ዝግባእ ፀገም'ዩ" ኢሉ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ቦሪስ ኣብቲ ናብ ፕረዝደንት ፈረንሳ ዝለኣኾ ደብዳበ ሓሙሽተ ስጉምትታት ክውሰዱ እዩ ጠሊቡ።
• ካብ ገማግም ባሕሪ ፈረንሳይ ተወሰኽቲ ጀላቡ ከይብገሳ ንምክልኻል ሓባራዊ ሓለዋ ክካየድ
• ከም ራዳር ዝኣመሰለ ዘበናዊ ቴክኖሎጂ ምውፋር
• ኣብ ናይ ሕድሕድና ማያዊ ግዝኣት ብሓይሊ ኣየር ዝተሰነየ ሓለዋ ምክያድ
• ኣብ ጸላታት ድሕነት እተን ሃገራት ዘሎ ሓባራዊ ስራሕ ምድልዳል
• ኣብ ምምላስ ስደተኛታት ምስ ፈረንሳ ክልትኣዊ ውዕሊ ምክያድን ብቐጥታ ምስራሕ ዝብሉ ስጉምትታት ጠሊቡ።
ኣብቲ ኢማኑኤል ማክሮን ኣብ ካለይ ክካየድ ዝፀወዖ ኣኼባ፡ ሃገራት ቤልጂየም፣ ፈረንሳይ፣ ኔዘርላንድ፣ ጀርመንን ኮሚሽን ኣውሮጳ ሕብረትን ተሳቲፎም።
ኣብቲ ኣኼባ፡ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ፈረንሳ ዳርማኒን ፡ ሃገሩ እዚ ቅልውላው ንምፍታሕ ምስ ዓባይ ብሪጣንያ ክትሰርሕ ከምትደልይ ተዛሪቡ።
"ብሪጣንያ ካብ ሕብረት ኣውሮጳ እምበር ካብ ዓለም ኣይወፀትን። ብውሽጣዊ ፖለቲካ ብሪጣንያ ጅሆ ከይተተሓዝና ኣብዞም ሕቶታት ብዕቱብ ክንሰርሕ ይግባእ። ብዙሓት ሰባት ይሞቱ ኣለዉ። ተወሰኽቲ ሰባት ክሞቱ ክንፈቅድ የብልናን" ኢሉ።








![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
