ቅልውላው ትግራይ፡ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝፍፀሙ መጥቃዕትታት ከምዘሻቐላ ገሊፃ

ኣሜሪካ፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ (ትግራይ) ዘሎ ኵናት፡ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ፍታሕ ክኾኖ ከምዘይኽእልን ብመራሕቲ ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣፍሪቃን ዝቐረበ ሓሳብ ከምትሰማምዐሉ ገሊጻ።
መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ዘላቒ ተኹሲ ደው ምባል ንኽገብሩ ብዘይ ቅድመ ኩነት ክላዘቡ ድማ ፀዊዓ።
ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ወፃኢ እታ ሃገር ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፡ ብተደጋጋሚ ዝወፅኡ ዘለዉ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ዘመልክቱ ፀብፃባት፡ ብህፁፅ ዘይሻራውን ተኣምንን ዝኾነ ዓለም ለኻዊ ምርመራ ክግበር ከምዘለዎ ብምምልካት፡ መንግስቲ ኢትዮጵያን ኣብቲ ኵናት ተሳተፍቲ ዝኾኑ ኩሎም ተፃባእቲ ሓይልታትን ንምርመራ ኣድላይ ዝኾኑ ኩነታት ከጠጥሑ ሓቲቱ።
ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ምስ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ብምትሕብባር፡ ኣብ ትግራይ ንዝተፈፀሙ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰል ኣመልኪቶም ብሓባር ከካይድዎ ዝፀንሑ ምርመራ ውፅኢት ወግዓዊ ዝኾነሉ ከምዝከታተል ብምሕባር፡ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኣካል ሰብኣዊ መሰላት ንዘካይዶ ምርመራ ሙሉእ ብሙሉእ ክተሓባበር ሓቲቱ።
ካብዚ ብተወሳኺ፡ ኣሜሪካ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ኢትዮጵያ ዝካየዱ ዘለው ጎንፅታትን ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝፍፀሙ መጥቃዕትታትን ኣዝዩ ከምዘሻቐላ ገሊፃ ኣላ።
ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝፍፀሙ መጥቃዕትታት ኣሜሪካ ከምትኹንን ዝሓበረ እቲ መግለፂ፡ ኣብቲ ጎንፂ ተሳተፍቲ ዝኾኑ ኩሎም ኣካላት ሰብኣዊ መሰላት ከኽብሩን ንዓለም ለኸ ሕግታት ሰብኣዊ መሰል ተገዛእቲ ክኾኑን ፀዊዑ።
ምእንቲ ፖለቲካዊ ዕርቅን ሰላምን ኢትዮጵያ ክበሃል፡ ኣብ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰል ኢድ ዘለዎም ኣካላት ተሓተትቲ ንምግባር፡ ንፁር ዝኾነ መገዲ ከጣጥሑ ከምዝግባእ'ውን ኣፍሊጡ።
ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራትን ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ኣብ ኵናት ትግራይ ብዛዕባ ዝተፈፀሙ ግህሰታት መሰላት ዘካየድዎ ምርመራ ከምዝተዛዘመን፡ ኣብ ሒደት ኣዋርሕ ወግዓዊ ከምዝኸውንን ትፅቢት ይግበር።









![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
