እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
መረጻ ሶርያ፡ ተቓወምቲ 'ላግጺ' ኣብ ዝበሉዎ መረጻ ፕረዚደንት ባሻር ኣልኣሳድ ተዓዊቱ
ኣብ ሶርያ ኣብ ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ መረጻ ፕረዚደንት ባሻር ኣልኣሳድ ዝለዓለ ድምጺ ብምርካብ ተዓዊቱ።
በዚ መሰረት ንዝቕጽሉ ኣርባዕተ ዓመታት ፕረዚደንት እታ ሃገር ኮይኑ ክመርሕ'ዩ።
ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ሶርያ ሃሙዳ ሳቤህ ፕረዚደንት ኣሳድ 95.1 ሚእታዊት ድምጺ ረኺቡ ከምዝተዓወተ ገሊጹ።
ተነሓናሕቱ ዝነበሩ ዓብዱላህ ሳሉም ዓብዱላህ 1.5 ሚእታዊት መሓመድ ኣሕመድ ማሪ ድማ 3.3 ሚእታዊት ድምጺ መረጽቲ ከም ዝረኸቡ'ውን ኣመልኪቱ።
ፖለቲካዊ ተቓወምቲ ሶርያ እቲ መረጻ "ላግጺ'ዩ" ክብሉ እንከለው፡ ኣመሪካን ሃገራት ኤውሮጳን ከኣ ናጻን ፍትሓውን ኣይነበረን ኢለን።
ፕረዚደንት ኣሳድ ትማሊ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ድማ ርኢይቶ ምዕራባውያን ሃገራት ንዓና ትርጉም የብሉን ክብል ተዛሪቡ።
ቅድሚ 10 ዓመት ኣንጻር ፕረዚደንት ሶርያ ዝተላዕለ ሰላማዊ ናዕቢ፡ ናብ ምሉእ ውግእ ሓድሕድ ድሕሪ ምዕራጉ፡ ኣብቲ ግጭት ልዕሊ 380,000 ሰባት ሞይቶም ሓያሎ ከተማታት ተደምሲሰን፡ ልዕሊ፡ ሽዱሽተ ሚልዮን ህዝቢ እታ ሃገር ድማ ተሰዲዱ።
እቲ ግጭት ቅድሚ ምጅማሩ፡ ብዙሓት ሶርያውያን፡ ኣብ ምሕደራ እቲ ብ2000 ድሕሪ ሞት ኣቡኡ ፕረዚደንት ሓፊዝ ስልጣን ዝተረከበ ፕረዚደንት ባሻር ኣል-ኣሳድ፡ ብሽቕለት ኣልቦነት፡ ብልሽውናን ፖለቲካዊ ዓፈናን የማርሩ ነይሮም።
ኣብ መጋቢት 2011 ድማ ደገፍቲ ደሞክራሲ፡ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ብዝተላዕለ ህዝባዊ ናዕቢ ተደፋፊኦም ኣብ ደቡባዊት ከተማ ደርዓ ኣንጻር ጨቛኒ ስርዓት ናዕቢ ኣለዓዒሎም።
መንግስቲ ሶርያ ነቲ ህዝባዊ ተቓውሞ ንምጭፍላቕ ሓይሊ ምስ ተጠቕመ፡ ፕረዚደንት ኣሳድ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ዝጠልብ ተቓውሞታት ኣብ መላእ ሃገር ተላዒሉ።
እዚ ናይ ሕጂ መረጻ መንግስቲ ኣብ ዝተቖጻጸረን ቦታታት ጥራሕ'ዩ ተኻይዱ። ብተወሳኺ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ኣብ ዝርከቡ ኤምባሲታት ዝተራእየ መስርሕ መረጻ ነይሩ።
ተቓወምቲ ኣብ ዘመሓድሩዎ ዞባ ኢድሊብ ነቲ መረጻ ዝተቓወሙ ዜጋታት ናብ ኣደባባይ ወጺኦም'ዮም።
ወዲ 55 ዓመት ባሻር ኣልኣሳድ ካብ ኣቡኡ ዝወረሶ ስልጣን ንዝሓለፉ 21 ዓመታት ሒዙዎ'ሎ።
ኣቡኡ ሓፉዝ ኣል ኣሳድ ነታ ሃገር ን25 ዓመታት ብምልኪ ምስ መርሐ'ዩ ንወዱ ኣረኪብዎ።