እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኡጋንዳ: ንመስዋእቲ ዝኾኑ ህጻናት ብምዝውዋር ዝተኸሰሰ መራሕ መኪና ኣብ ቀይዲ ኣትዩ
ፖሊስ ኡጋንዳ ቆልዑ ብምዝውዋር ዝተኸሰሰ ውልቀሰብ ኣብ ቀይዲ ከም ዘእተወ ገሊጹ። ቢቢሲ ኣብ 2011 ኣብ ዝፈነዎ መርመራዊ ፊልም እቲ ሰብኣይ ኣሰጋጋራይ ንመስዋእቲ ዝኾኑ ቆልዑ ምዃኑ ይጠቅስ።
እቲ መራሒ ዓባይ መኪና ዝኾነ ጥርጡር፡ ኣብ ሰሜናዊ ኡጋንዳ ኣብ ዶብ ኣብ እትርከብ ከተማ ኤሌጉ እዩ ኣብ ቀዳመ ሰንበት ተታሒዙ።
እቲ ሰብኣይ ኣብ ካምፓላ ናብ ዝርከብ ዳይሬክቶሬት ፍሉይ መርመራ ፖሊስ ክርከብ ምዃኑ ኣፈኛ ፖሊስ ፍሬድ ኤናንጋ ብሰኑይ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ።
ንሱ ወሲኹ፡ ፖሊስ ብዛዕባ እቲ ሰብኣይ ዝተኸሰሰሉ ጉዳይ ዝፈለጠ፡ እቲ ቅድሚ 10 ዓመታት ዝተዘርግሐ ፊልም ኣብ ቀረባ መዓልታት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ድሕሪ ምዝርግሑ እዩ ኢሉ።
ኣብቲ ቪድዮ እቲ ሰብኣይ መራሒ ኣብ ኡጋንዳ ናይ ዝርከብ መርበብ ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ቆልዑ ምዃኑ ይዛረብ። እቲ መርበብ ንጥንቆላን ካልእ ምዝመዛን ዝውዕሉ ቆልዑ ዝጨውይ እዩ።
ኣብቲ ቢቢሲ ዘዳለዎ ሰነዳዊ ፊልም፡ ጋዜጠኛታት ቢቢሲ ሕቡእ ካሜራ ብምውዳድ፡ ቆልዓ ክዕድጉ ዝደለዩ ዓማዊል ተመሲሎም ብምቕራብ ናብ ብሪጣንያ ከብጽሓሎም ዝኽእል እንተኾይኑ ነቲ ሰብኣይ ይሓትዎ። ኣብቲ ብሕቡእ ዝተወስደ ምስሊ፡ እቲ ሰብኣይ ብኹርዓት ነቶም ቆልዑ ከመይ ጌሩ ከም ዝጨውዮም ክዛረብ ይስማዕ።
ፖሊስ ነቲ ኣብቲ ጸብጻብ ቀሪቡ ዘሎ ክሲ ደጊሙ ክምርምሮ ምዃኑ ዝገለጸ ሚስተር ኤናንጋ፡ ዛጊት ኣብ ልዕሊ እቲ ሰብኣይ ክሲ ከምዘይተመስረተ ሓቢሩ።
ህዝቢ ነቲ መርመራ ሓጋዚ ክኸውን ዝኽእል ሓበሬታ ከቐብል ፖሊስ ጸዊዑ ኣሎ።
ክሳዕ እዚ ወርሒ፡ ሰባት ከም መስዋእቲ ምቕራብ ኣብ ገበናዊ ሕጊ ኡጋንዳ፡ ከይተጠቐሰ ብምጽንሑ፡ ነቲ ተግባር ዝፈጸሙ ሰባት ብቕትለትን ካልእ ገበናትን እዮም ክሲ ክቐርበሎም ጸኒሑ።
ኣብ ፈለማ ወርሒ ግንቦት፡ ባይቶ እታ ሃገር ንመስዋእቲ ሰባት ዝእግድ ሕጊ ብምጽዳቑ፡ ነቲ ገበን ዝፈጸመን ብገንዘብ ዝተሓባበረን ሰብ ብሞት ክቕጻዕ ይኽእል እዩ።