ኣብታ ብኲናት ክትሕመስ ዝጸንሐት ሶርያ መረጻ ክካየድ እዩ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ንዓመታት ብኲናት ሓድሕድ ክትሕመስ ዝጸንሐት ሶርያ ፕሬዝደንታዊ መረጻ ከም እተካይድ ኣፍሊጣ።
ባይቶእታ ሃገር ኣብ ዝቕጽል ወርሒ ፕሬዝደንት እታ ሃገር ንምምራጽ ዘኽእል መረጻ ከም ዘካየድ ወግዓዊ ገይሩ ኣሎ።
እዚ ድማ ስልጣን በሽር ኣልዓሳድ ንቀጻሊ ሸውዓተ ዓመታት ንምርግጋጽ ዝሓሰበ ክኸውን ይኽእል'ዩ ዝብል ግምት ኣሎ።
ንልዕሊ 10 ዓመታት ኣብ ዝዘለቐ ኲናት ሓድሕድ፡ ሓያል ቁጠባዊ ቅልውላው ዝስዓበ ኮይኑ ኣብዚ እዋን ፕሬዝደንት በሽር ኣልዓሳድ ሓደ ጥንኩር ተነሓናሒ ክገጥሞ እዩ ተባሂሉ ትጽቢት ኣይግበርን።
ብፕሬዝደንት በሽር ኣልዓሳድ ዝምራሕ መንግስቲ ልዑል ብዝሒ ዝህቢ ዘለዎም ከባቢታት ተቐጻጺሩ ኣሎ።
ኣብቲ ንዓሰርተ ዓመታት ዝቐጸለ ኲናት ልዕሊ 400 ሽሕ ሰባት ክሞቱ እንከለው፡ ፍርቂ ህዝቢ ሶርያ ተሰዲዱ።
ኣብዚ ድሕሪ ሓደ ወርሒ ዝካየድ መረጻ ዝዕወት ሕጹይ ተወዳዳሪ፡ ንሸውዓተ ዓመት ኣብ ስልጣን ክጸንሕ'ዩ።
በዚ መሰረት ምዝገባ ሕጹያት ተወዳደርቲ ሎሚ መዓልቲ ክጅመር ምዃኑ ተሓቢሩ።
ኣብ መላእ ዓለም ዘለው ዜጋታት እታ ሃገር ከኣ ካብቲ መረጻ ዝካየደሉ ቅድሚ ሽዱሽተ መዓልታት ናብ ኤምባሲታት ብምኻድ ድምጾም ንምሃብ ክምዝገቡ'ዮም።
እዚ ፕሬዝደንታዊ መረጻ ኣብ ሶርያ ኲናት ሓድሕድ ካብ ዝጅመር ንነጀው ንኻልኣይ ግዜ ዝካየድ ዘሎ መረጻ ከም ዝኾነ ይፍለጥ።
ብ2014 ዝተኻየደ መረጻ ዴሞክራሲያዊ ዘይኮነን ዘይሕጋውን'ዩ ብዝብል ተቓወምቲ፣ ኣመሪካን ሕብረት ኤውሮጳን ንውጽኢት እቲ መረጻ ነጺጎምዎ።







![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
