ኣብ ትግራይ ምጅማር ጎስጓስ መረፃ ከመይ በለ?
![ኣብ ትግራይ ድልድል ክፍለ ግዜ ጎስጓስ መረፃ፡ ትማሊ 6 ነሓሰ 2012 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ] እዩ ጀሚሩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/640/cpsprodpb/133BD/production/_113918787_b0fb51af-7c45-41f3-b8e2-514f3038f949.jpg.webp)
ኣብ ትግራይ ድልድል ክፍለ ግዜ ጎስጓስ መረፃ፡ ትማሊ 6 ነሓሰ 2012 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ] እዩ ጀሚሩ።
ብመሰረት እቲ ክፍለ ግዜ እቶም ፖለቲካዊ ሰልፍታት ንህዝቢ ትግራይ ይረብሕ እዩ ዝበልዎም ዕላማታት ኣብ ቴሌቪዥንን ሬድዮታትን እቲ ክልል ምቕራብ ጀሚሮም ኣለዉ።
ኣብ ዝተፈላለዩ ንግዳዊ ትካላት ከተማ መቐለ ዝተዋፈሩ ሰባት'ውን ብብዝሒ ሬድዮን ቴሌቪዥንን ክከታተሉ ውዒሎም።
ካብቶም ኣብቲ መረፃ ንምውድዳር ዝተመዝገቡ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ብዛዕባ እቲ ተጀሚሩ ዘሎ ጎስጓስ መረፃ ከመይ ረኺቦምዎ ንምፍላጥ ሓቲትና።
ክንፈ ሓድሽ ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ውድብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ እዩ።
እቶም ፖለቲካዊ ሰልፍታት ዝሓዙዎ ዕላማን ፖሊሲታትን ንምጽራጽ ዝግበር ጎስጓስ ኣብ ሰለስተ ተሌቪዥን፣ ኣርባዕተ ሬድዮታትን ሓደ ጋዜጣን ተጀሚሩ ምህላዉን ገሊፁ።
"ካብ ህዝቢ ዝስማዕ ዘሎ ርእይቶ እውን ፅቡቕ ጅማሮ እዩ፤ ኰይኑ ግና ገና ሕዚ ስለ ዝተጀመረ ደምዲምካ ምዝራብ ኣይከኣልን" ኢሉ።
ክንፈ ብተወሳኺ "ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ፡ ህዝቢ ኣኪብና ዕላማታትና ክነፋልጥ ኣይንኽእልን፤ ኣብ ሚድያ ወፂእና ዝተወሃበና ግዜ ብዝግባእ ተጠቒምና ኢና ዕላማታትና ክነፋልጥ ንኽእል፤ እዚ ዕድል ብምርካብና ድማ ጽቡቕ ስለ ዝኾነ ዝተዋህበና ግዜ ብኣግባቡ ፀንቂቕና ክንጥቀመሉ ኣብ ምድላው ኣለና" ይብል።
ካብ ውድብ ብሄራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይ ወይዘሪት ሰላማዊት መድሃኔ፡ እቲ ጎስጓስ ጀሚሩ ዝብል ኣብ ኣፋን ዕርበታን እዩ ተነጊሩና ትብል።
"ኰይኑ ግና ክናዋሕ ኣለዎ ኢልና ብሓደ መዓልቲ ምስ ተናወሐልና ኢና ትሕዝቶታትና ኣሰናዲእና፤ እቲ ምድላው ብናይ ባዕልና ወፃኢታት ኢና እነሰናድኦ ይኹን እምበር እቲ ኣብ መራኸብቲ ሓፋሽ ዝተወሃበና ክፍለ ግዜ ፍትሓዊ እዩ" ኢላ።
"ከም ዝመስለኒ፡ ኣብ ትግራይ ከምዚ ዝበለ ጎስጓስ መረፃ ንመጀመርታ ግዜ እዩ ዝካየድ ዘሎ፤ ፅቡቕ ጅማሮ እዩ። ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ማሕበራዊ ሚድያን ኣብ ዝኸድካዮ ቦታን ብዛዕባ መረፃ እዩ ዝዝረብ ዘሎ፤ መንእሰይ ትግራይ ፅቡቕ ፖለቲካዊ ንቕሓት ኣሕዲሩ ኣሎ" ትብል ሰላማዊት።
ኮሚሽን መረጻ ትግራይ፡ ብመሰረት እቲ ዘውጽኦ ድልድል ሚዲያታት እቲ ጎስጓሰስ ካብ ነሓሰ 5 ክጅምር ደልዩ እኳ እንተነበረ ብመሰረት ድልየት እቶም ፖለቲካዊ ሰልፍታት ግን ብሓደ መዓልቲ ከም ዝተናወሐ ሓላፊ ርክባት ህዝቢ ኮምሽን መረፃ ትግራይ ኣይተ መረሳ ፀሃየ ተዛሪቡ።
ውድብ ናፅነት ትግራይ ሓደ ካብቶም ኣብ 6ይ መረፃ ትግራይ ንምንሕናሕ ዝተመዝገበ ፖለቲካዊ ሰልፊ ምዃኑ ይፍለጥ።
ዶክተር ደጀን መዝገበ ሓላፊ ርክብ ህዝቢ እቲ ውድብ ኰይኑ ይመርሕ ኣሎ።
"እቲ ጎስጓስ ጀሚርናዮ ኣለና፤ርእይቶ ህዝቢ ገና ካብ ሕዚ ንደሓር ኢና ክንሰምዕ፤ ኰይኑ ግና ኣብ ማሕበራዊ ሚድያን ብውልቀ ናብ ቤት ጽሕፈትና መፂኦም ዛጊድ ዝሃቡና ርእይቶ ፅቡቕ ምዃኑ ሓቢሮምልና፤ ውናት(ውድብ ናፅነት ትግራይ) ብሕታዊ ኣማራፂኦም ምዃኑ እውን ይገልፁልና ኣለዉ" ብምባል ይዛረብ።
ዶክተር ደጀን "ሓሳብና ይሽየጥ ከም ዘሎ፤ህዝብና ይቕበለና ከም ዘሎ ዘመላኽት ጉዳይ ኰይኑ ረኺብናዮ" ኣለና እውን ኢሉ።
ኣብቲ ተጀሚሩ ዘሎ ጎስጓስ መረፃ ዴሞክራሲያዊ ውድብ ዓሲምባን ገዛኢ ውድብ ህወሓትን እውን ኣማራፂ ዕላማታቶም ናብ ህዝቢ የቕርቡ ኣለዉ።








![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
