እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣውስትራልያዊት ግዝኣት ቪክቶርያ ልዑል መጠን መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ኣመዝጊባ
ብኮሮናቫይረስ ኣዝያ ዝተሃሰየት ኣውስትራልያዊት ግዝኣት ቪክቶርያ፡ ኣዝዩ ዝኸፍአ ወሰኽ ሞትን ሓድሽ መልከፍትታት ኮሮናቫይረስን ከምዘመዝገበት ተገሊፁ።
ርእሰ ከተማ ናይታ ግዝኣት ኣብ ዝኾነት ከተማ መልበርን፡ ንሽድሽተ ሰሙናት ዝተኣወጀ ዕፅዋ "ኣይሰርሕን ግዲ ዘሎ?" ዝብል ስግኣት ድማ ኣሕዲሩ።
እዛ ግዝኣት ሎሚ ሓሙስ ከም ዘፍለጠቶ፡ 723 ሓድሽ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስን 13 ሞትን ዘመዝገበት እንትትኾን፡ ካብቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ ዝተመዝገበ ብዝሒ ብ36 ሚእታዊት ዝዛየደ እዩ።
ነዚ ስዒቡ ድማ፡ እቲ ኣብ ከተማ መልበርን ካብ 7 ሓምለ ጀሚሩ ተኣዊጁ ዘሎ ዕፅዋ ክናዋሕ እዩ ዝብል ፍርሒ ዓሲሉ ይርከብ።
እዚ ልዑል መልከፍትን ሞትን፡ ኣብ ግዘ እዚ ለበዳ ኣብ ኣውስትራልያ እቲ ዝኸፍአ ወሰኽ እንትኾን፡ ሰብመዚ ቪክቶርያ ድማ ምልክት እቲ ቫይረስ ዘለዎም ሰባት ብቕልጡፍ ክምርመሩ ተማሕፂኖም ኣለዉ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣማሓዳሪ እታ ግዝኣት፡ መምርሕታት ምውሻብ ዘይትግብሩን ብግዘ ዘይምርመሩን ዝሓመሙ ሰባት፡ ዋላ'ኳ ዕፅዋ እንተተኣወጀ እቲ ቫይረስ ንክላባዕ ምኽንያት ከምዝኾኑ ምግላፁ ይዝከር።
ኣብ ካልኣይ ኣዋጅ ዕፅዋ ከተማ መልበርን፡ ሰባት ንኣካላዊ ምንቅስቓስ፣ ምግቢ ንምዕዳግ፣ ንስራሕን ካልኦት ሰባት ንምሕብሓብን እንተዘይኮይኑ፡ ካብ ገዝኦም ክወፅኡ ኣይፍቀድን።
መልበርን ኣብታ ግዝኣት ፈላመይቲ ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ኣስገዳድ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን (ማስክ) ዝግበረላ ከተማ ኮይና፡ ካብ ዝቕፅል ሰኑይ ጀሚሩ ድማ እዚ መምርሒ ኣብ ምሉእ ግዝኣት ቪክቶርያ ክትግበር እዩ።
ኣውስትራልያ ለበዳ እቲ ቫይረስ ናብ ሃገራ ኣብ ዝኣተወሉ ፈላማይ ወርሒ ብዝገበረቶ ስራሕቲ ምክልኻል፡ 16 ሽሕ መልከፍትን 189 ሞትን እያ ኣመዝጊባ።
እዚ ድማ ምስ ካልኦት ሃገራት እንትነፃፀር ትሑት ከምዝኾነ'ዩ ዝግለፅ።
ይኹን'ምበር ኣብ ወርሒ ሰነ ኣብ ከተማ መልበርን ዝጀመረ ደግሲ ለበዳ፡ ኣብዚ ወርሒ እዚ ጥራይ 7 ሽሕ ሰባት ብኮሮናቫይረስ ክልከፉ ምኽንያት ኮይኑ ኣሎ።