እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኮሮናቫይረስ፡ ጀርመን 560 ሚልዮን ዶላር ንውድብ ጥዕና ዓለም ክትህብ እያ
ትማሊ ሓሙስ ሚኒስተራት ጥዕና ሃገራት ጀርመንን ፈረንሳን ምስ ጀነራል ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮም ኣድሓኖም ድሕሪ ምዝርራብ ነቲ ትካል ብዝከኣለን ክሕግዛ ከም ዝተመባጸዐ ተሓቢሩ።
ሚኒስተር ጥዕና ጀርመን ጀንስ ስፋን ከም ዝሓበሮ፡ ሃገሩ 560 ሚልዮን ዶላር ንውድብ ጥዕና ዓለም ክትህብ ምዃና ገሊጹ።
እቲ ሚኒስትር፡ እዚ ዓለማዊ ለበዳ ዓለማዊ ምትሕግጋዝ ከም ዘድልዮ ድሕሪ ምሕባር፡ "ናይ ሓደ ሃገር ንጽል ፍታሕ ንዓለምለኻዊ ጸገማት ከም ዘይዕወት ፍሉጥ'ዩ" ኢሉ።
ብኻልእ ወገን፡ መንግስቲ ፈረንሳ፡ 50 ሚልዮን ዩሮ ንውድብ ጥዕና ዓለም ከም ዝህብን፡ ካልእ 90 ሚልዮን ዩሮ ድማ ንማእከል ምርምር ልዮን ከም ዘበርክትን ሚኒስተር ጥዕና እታ ሃገር ኦሊቨር ቨራን ሓቢሩ።
መንግስቲ ኣመሪካ ንውድብ ጥዕና ዓለም "ኩርኩር ቻይና'' ኢሉ ዝህቦ ዝነበረ ሓገዝ ምስ ኣቛረጾ፡ መራሕቲ ሃገራት ኤውሮጳ ንውድብ ጥዕና ዓለም ንምሕጋዝ ዝከኣለን ይገብራ ከም ዘለዋ ይገለጽ።
ሓዲሽ ለብዒ ኮሮናቫይረስ
ኤውሮጳ፡ ነቲ ተነቢሩ ዝነበረ እገዳታት ከተፍኩስ ምስ ጀመረት፡ ሓዲሽ ለብዒ ኮሮናቫይረስ ይውስኽ ምህላው ውድብ ጥዕና ዓለም ሓቢሩ።
እቲ ለብዒ ኮሮናቫይረስ ኣብ ሃገራት ኣርመንያ፤ ሽወደን፤ ማልዶቫ ከምኡ'ውን ኣብ ሰሜን መቆዶንያ ብናህሪ ይውስኽ ምህላውን፡ እዚ ድማ ዓቢ-ደግሲ ምዃኑ ሓላፊ ውድብ ጥዕና ዞባ ኤውሮጳ ዶክተር ሃንስ ሄንሪ ገሊጹ።
እዚ ሓዳሽ ልብዒ ከይተዓግተ እንተተሪፉ፡ ኣብ ስርዓተ ጥዕና ሃገራት ዓቢ ጽልዋ ክህልዎ ከምዝኽል'ውን ኣጠንቂቑ።
ኣብ ኤውሮጳ፡ ልዕሊ 2.6 ሚልዮን ሰባት ብኮቪድ-19 ተለኺፎም ከም ዘለውን፡ ከባቢ 195,000 ሰባት ድማ በዚ ቫይረስ ህይወቶም ስኢኖም ከም ዘለው እቲ ትካል ገሊጹ።
ኣብዚ እዋን ዳርጋ 20,000 ሓደሽቲ ሰባት በቲ ቫይረስ ተለኺፎም ከም ዘለውን፡ 700 ሰባት ከምዝሞቱ'ውን ተገሊጹ።
ሃገራት ፖላንደ፤ ጀርመን፤ ስጳኛ ከምኡ'ውን እስራኤል ነዚ ሓዲሽ ለብዒ ንምቊጽጻር ቅልጡፍ ስጉምቲ ወሲደን፡ ነቲ ለብዒ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ከምዝተውዎ ዶክተር ሃንስ ሄንሪ ወሲኹ ሓቢሩ።
ዶክተር ሃንስ ሄንሪ፡ እቲ ቫይረስ ብንጥፈት ኣብ ውሽጢ ሕበረተሰብ ይዝርጋሕ ምህላው ድሕሪ ምሕባሩ፡ ክታበት ኮሮናቫይረስ ክሳብ ዝርከብ ሃገራት ዘድሊ ጥንቃቐ ክገብራ'ውን ኣዘኻኺሩ።