እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ኣብ ኣጠቓቕማ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን (ማስክ) ኣውፅይዎ ዝነበረ መመርሒ ቀይሩ
ውድብ ጥዕና ዓለም ቅድሚ ሕዚ ኣብ ኣጠቓቕማ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን (ማስክ) ኣውጽዎ ዝነበረ መመርሒ ከምዝቐየረ ኣፍሊጡ።
እቲ ውድብ፡ ቅድም ክብል ናይ ሕክምና መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን (ማስክ) ሰራሕተኛታት ጥዕና፣ ንሕሙማት ኮሮናቫይረስ ዝሕብሕቡ ሰባት ጥራሕ ክጥቀምሉ ከምዝግባእ ገሊፁ ነይሩ።
ውድብ ጥዕና ዓለም በቲ ቫይረስ ዘይተለኸፉ ሰባት መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ክገብሩ የብሎምን ኢሉ፡ ክካታዕ ዋላ እኳ እንተፀንሐ፡ ሓደሽቲ መፅናዕትታት ግና እቲ ቫይረስ ብዝተበከለ ንጣር እንትፍታፍ ክመሓለላፍ ከምዝኽእል እዮም ዝሕብሩ።
ገለ ሃገራት ኣብ ህዝባዊ ቦታታት መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን (ማስክ) ክኽደኑ ግድን ክኸውን መምርሕታት ኣውፂአን እየን።
ነቲ ዝነበረ መምርሒኡ ዝቐየረ ውድብ ጥዕና ዓለም ግና፡ ሕዚ እውን ኩሉ ሰብ ናይ ሕክምና መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ክጥቀም ከምዘይግባእ እዩ ዝገልፅ።
እንተኾነ፡ ሰባት ካብ ዝተፈላለዩ ኣጭርቕቲ ዝስርሑ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ክጥቀሙን፡ ኣድላይ እንተኾይኑ ድማ ኣብ ገዛ ዝተዳለዉ ማስክታት ምጥቃም ከምዝከኣል ሓቢሩ።
ኣካላዊ ምርሕሓቕ ንምትግባር ኣብ ዘይጥዕሙ ህዝባዊ ቦታታት፡ መጓዓዝያ፣ ዕዳጋታትን ካልኦትን፡ ኩሉ ሰብ ካብ ጨርቂ ዝተሰርሐ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ክገብሩ ከምዝግባእ ገሊፁ።
እቲ ውድብ ቅድሚ ሕዚ ዝነበሮ መምርሒ ብምኽላስ፡ ምስ ኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ርክብ ዘይብሎም ሰባት፡ ንኣብነት፡ ኣብ ሆስፒታላት ኣብ ዝተፈላለዩ ክፍልታት ዝርከቡ ሰራሕተኛታት ጥዕና ሓዊሱ፡ ንሰብ ሞያ ሕክምና ዝተዳለዉ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን (ማስክ) ክገብሩ ኣገንዚቡ።
ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ቅድሚ ሕዚ ኣብ ኣጠቓቕማ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ዘውፅኦ መምርሒ ክኽልስ ዝተገደደ፡ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ምልክታት ቅድሚ ምርኣዮም፡ ነቲ ሕማም ከመሓላልፉ ከምዝኽእሉ ዝገልፁ መረዳእታታት ይወፅኡ ብምህላዎም እዩ።
ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ መላእ ዓለም ካብ ዝላባዕ ንነጀው፡ ዛጊድ 6 ነጥቢ 7 ሚልየን ሰባት ብኮቪድ-19 ዝተለኸፉ እንትኾኑ ኣስታት 400 ሽሕ ሰባት ድማ በዚ ቫይረስ ሞይቶም ኣለው።