ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑዌል ማክሮን ምስቲ 'ክሎሮኲን ፈውሲ ኮሮናቫይረስ'ዩ' ዝብል ሓኪም ተራኺቡ

ምንጪ ስእሊ, EVN
Published
ሊቅ ቫይሮሎጂ ዲድየር ራዎለት፡ ኣፋውስ ዓሶ ዝኾኑ ክሎሮኲንን ሃይድሮክሲክሎሮኲንን ኮቪድ-19 ክፍውሱ ከም ዝኽእሉ ድሕሪ ምግላጹ ኣብ መላእ ዓለም ተፈላጥነት ረኺቡ እዩ።
ኣብ ፈረንሳ ከባቢ 450,000 ሰባት እቲ ኣፋውስ ዝያዳ ኣብ ኣግልግሎት ክውዕል ምሕጽንታ ፈሪሞም ኣለው።
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ'ውን ደጋጊሙ ብዛዕባ እቲ ኣፋውስ ተዛሪቡ እዩ።
እንተኾነ ግና ትካል መድሃኒት ኣውሮጳ እቲ ፈውሲ ጎድናዊ ሳዕቤናት ከም ዘለዎ ብምጥንቃቕ ኣብ "ሃገራዊ ህጹጽ እዋን" ጥራይ ኣብ ጥቕሚ ክውዕል ከም ዝግባእ ኣፍሊጡ።
ፕረዚደንት ኢማኑዌል ማክሮን ሆስፒታል እቲ ፕሮፌሰር ናብ ዝርከበሉ ደቡባዊ ፈረንሳ ተጓዒዙ ንሰለስተ ሰዓትን ፈረቓን መራኸቢ ብዙሓን ኣብ ዘይተረኽቡሉ ምዝርራቡ ግን ንብዙሓት ኣገሪሙ ኣሎ።
ፕረዚደንት ማክሮን ሰኑይ ንህዝቢ ፈረንሳ ሰፊሕ መግለጺ ከም ዝገብር ዝገልጹ ምንጭታት እቲ ምስ ፕሮፌሰር ዲደየር ራዎልት ዝገበሮ ርክብ ንኣገባባት እቲ ሊቅ ኣፍልጦ ምሃብ ከም ዘይኮነ ይሕብሩ።
ፕሮፌሰር ራዎልት 1061 ሰባት ብሃይድሮክሲክሎሮኲን ከም ዝሓከመን ኣብ 91.7% ዕውት ውጽኢት ከም ዝረኸበሉን ይዛረብ።
ብዙሓት ፈረንሳውያን ተመራመርቲ ግና ነቲ መጽናዕቲ ነጺጎምዎ ኣለው።








![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
