ነበርቲ ከተማ ውሃን ድሕሪ 76 መዓልታት ናብ ደገ ክወጽኡ ተፈቒድዎም

ምንጪ ስእሊ, STR
ድሕሪ ልዕሊ ክልተ ኣዋርሕ ኣስታት 11 ሚልዮን ዝኾኑ ነበርቲ ከተማ ውሃን ናብ ጎደናታት ክወጽኡ ተፈቂድዎም።
ከተማ ውሃን እታ መጀመርታ ኮሮናቫይረስ ዝተራኣየላ ከተማ ኮይና፡ ሰብ መዚ እታ ከተማ ንኮረናቫይረስ ክቆጻጸርዎ ምኽኣሎም ከም ዓወት ክሓስብዎ እንከለዉ ነበርቲ ዝተፈለየ ተመክሮታት ሒዞም እዮም ካብ ቤቶም ዝወጽኡ ዘለዉ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ጽርግያታት ውሃን ንመካይንን ንነበርትን፡ መገዲባቡር ንባቡርን ንተሳፈርቲን፡ መዓርፎ ነፈርቲ'ውን ንበረራታትን ንተሳፈርትን ክፉታት ኮይነን ኣለዋ።
ነበርቲ ድሕሪ እቲ ዝሓለፍዎ ናይ 76 መዓልታተ ውሸባ ናብ ዝኾነ ክፋል ቻይና ክንቀሳቐሱ 'ቀጠልያ መብራህቲ' ተወሊዕሎም ኣሎ።
ኣብ ምብጽጻሕ መግቢ ዝሰርሕ ዝነበረ ጂኣ ሸንግዚ "ኣብ ዝሓለፈ ልዕሊ ክልተ ወርሒ ኣብዚ ጎደና ተወር ዝብል ሰብ ኣይርኣይን እዩ ነይሩ" ይብል።
"መግቢ ካልእን ከበጻጽሕ ናብዝን ናብትን ኣብ ዝብለሉ ዝነበርኩ፡ ነዚ ጽም ጽም ዝበለ ቦታታት ርእየ ሕማቕ'ዩ ዝስምኒ ነይሩ" ይውስኽ ጂኣ ሸንግዚ።

ህዝቢ ውሃን፡ ክሳብ ሕጂ ኣብ ዓለም እቲ ዝነውሐን ዝኸረረን ውሸባ እዩ ኣሕሊፉ።
ክሳብ መፋርቕ ወርሒ ለካቲት ሰባት ናብ ዱኳን ከይዶም መግብን ካልእ መሰረታዊ ጠለባትን ክዕድጉ ይፍቀደሎም ነይሩ እዩ፡ ድሓር ግን ኩሉ ደው ኢሉ።
11 ሚልዮን ህዝቢ ኣብ በቤቱ ተሾጒጡ፡ ጠለባቱ ብኣበጻጻሕቲ ጥራይ ክቕርብሉ ጀሚሮም።
"ሓደ ሓደ ግዜ ሰባት ብዕድመ ንዝደፍኡ ወለዶም መድሃኒት ከነብጽሓሎም ይድውሉልና፡ ወላዲኻ ሓሚሙ መድሃኒት ከተብጽሓሉውን ዘይትኽእለሉ እዋን እዩ ነይሩ" ይብል ጂኣ ሸንግዚ።
ካልእ ቃንዛ . . .
ዝሃንግ ሃይ ኣብኡ ብኮሮናቫይረስ ዝሞትዎ እዩ፡ ኣማውታ ኣብኡ ስለዘይተውሓጠሉ ኸኣ ካሕሳ ከምዝግብኦ እዩ ዝዛረብ።

ኣቦ ዝሃንግ ሃይ፡ ወዲ 76 ዓመት ኮይኖም 1 ለካቲት እዮም ሞይቶም፡ ናብ ሕክምና ዝተሰበረ እግሮም ንምሕካም ኣብ ዝኸድሉ፡ ኣብ እዋን መጥባሕቲ እዮም ብኮሮናቫይረስ ተታሒዞም።
"ብኸምዚ ምሟቱ ኣዝየ ሓዚነ፡ ካልኦት ብኸምዚ ናይ ኣቦይ ኣገባብ ዝሞቱ ክህልዉ ከምዝኽእሉ ከኣ እሓስብ"
ኣብ ውሃን፡ ኣብ ምጅማር እዚ ለበዳ ዶኳትር ብዛዕባ እዚ ቫይረስ ዘለዎም ስክፍታ ክዛረቡ ምስ ጀመሩ ሰብ መዚ ስቕ ክብሉ ኣጠንቂቖሞም እዮም።
ዝሃንግ ሃይ፡ ሕጂ እውን ሰብ መዚ ውሃን ንዝቐርበሎም ነቐፌታታት ''ክዓብጥዎ እዮም ዝፍትኑ ዘለዉ'' ብምባል እዚ ኸኣ ንሞት ኣብኡ እናኣዘኻኸረ ሕርቓኑ ከምዘብእሰሉ ይዛረብ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ዝሃንግ ሃይ ካብ መቃብር ኣብኡ ቑሩብ ሓሙኽሽቲ ንኽወስድ ኣብ ዝኸደሉ ሰብ መዚ ከሰንይዎ ምኳኖምን በይኑ ከይኸይድን እዩ ተነጊርዎ።
"በይንና እንተኼድና ምስቶም ካልኦት መቕርቦም ዝሞትዎም ክንራኽብን ክንዛተን ኢና፡ ዝተወደበ ሕቶ'ውን ከነቕርብ ንኽእል ኢና፡ እዚ ከይከውን ግን እቶም ሰብ መዚ ወይ ወከልቶም ካባና ኣይፍለዩን እዮም"
ዝሃንግ ሃይ ብምስዓብ "ናይ ዊ ቻት (መተግበሪ) ጉጅለ መስሪትና'ውን ድሃይ ሓድሕድ ንተሓታተት ነይርና፡ ፖሊስ ነዚ ጉጅለ ብምብታን ነቲ ዘውሃህደና ዝነበረ ሰብ ናብ እንዳ ፖሊስ ወሲደሞ" ይብል።
ዝሃንግ ሃይ ካብ መቃብር ኣቡኡ ሓሙኽሽቲ ምውሳድ ብምእባይ፡ ግዜ ምስ ተዓራረየ በይኑ ከይዱ ክወስድ እምበር ብመሰነይታ ሰብ መዚ ናብ መቓብር ኣብኡ ከምዘይከይድ ነቶም ከሰንይዎ ዝሓሰቡ ሓለፍቲ ሓቢርዎም እዩ።
"ብባህልና እዚ ካብ መቓብር ሓሙኽሽቲ ናይ ምውሳድ መስርሕ ውልቃዊ እዩ ወይ'ውን ናይ ስድራ ጉዳይ እዩ፡ ስለዚ እዞም ዘይፈልጦም ሰባት መን ኮይኖም እዮም ናብ መቓብር ኣቦይ ዘሰንዩኒ" ይብል ዝሃንግ ሃይ።
"መንግስትና ኣይትንቐፉልና"
ኣብ ምብጽጻሕ መግቢ ዝሰርሕ ዝነበረ ጂኣ ሸንግዚ ካብ ቤተሰቡ ወይ የዕርኽቱ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፈ ይኹን ዝሞተ ሰብ የብሉን።
እዚ ኸኣ መንግስቲ ቅልጡፍ ካብ ገዛኹም ኣይትውጽኡ ዝብል ኣዋጅ ስዝኣወጀ'ዩ ብምባል "ኣብቲ ቁጽሪ ዝተተሓዙን ቁጽሪ በዚ ቫይረስ ዝሞቱን ሕቶ ክልዓል እኳ ዝካኣል እንተኾነ፡ ነቲ መጥን ለበዳነት እቲ ሕምም ግን ብርኡይ ደው ኣቢልዎ'ዩ" ይብል።
ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ እዩ ኣብ ከተማ ውሃን እቲ ተነቢሩ ዝነበረ ናይ ምንቅቃስ እገዳ ክልዓል ጀሚሩ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ኸኣ ከተማ ውሃን ኩሎም ምስ ካልእ ክፋላት ቻይና ዘራኽብዎ መስመራት ተኸፊቶም እዮም።

ምንጪ ስእሊ, HECTOR RETAMAL
ገለ ሰባት ኣብ ክንዲ ንሰብ ካብ ገዝኡ ከይወጽእ ምግዳድ፡ ዝርገሐ ኮሮናቫይረስ ንምቑጻይ ካልእ መንገዲ ክናደ ነይርዎ ዝብሉ ኣለዉ፡ ዝሃንግ ሃይን ጂኣ ሸንግዚን ግን ቻይና እቲ ቅኑዕ መንገዲ ከምዝተኸተለት እዮም ዝገልጹ።
"ብሓፈሻ ኣዘራርባ፡ ኣብ ቃልሲ ኣንጻር ኮሮናቫይረስ ተዓዊትና ኢና፡ እንተኾነ ንሱ ዘስዓቦ ኣደራዕ ብዙሕ ነገር ኣኽሲርና እዩ" ይብል ጂኣ ሸንግዚ።
"ኩሎም ዜጋታት ማስክ ብምግባር፡ ሙቀት ሰብነቶም ብምልካዕ፡ ብምንስትሪ ጥዕና ኣብ ኣብ ዝውሃብ ቀልጡፍ ሓበሬታ ብምክትታል፡ ኣእዳዎም ብግቡእ ብምሕጻብን ምትእኽኻብ ብምውጋድን ንነብሶም ክሕልዉ ኣለዎም"


ካብ ምቁጽጻር እዚ ለበዳ ናብ ካልእ ቁጠባዊ ሕውየት ዝኾነ ጕዕዞ ምብጋስ እውን ካልእ ብድሆ ምዃኑ እዮም እዞም ክልተ ነበርቲ ውሃን ዝገልጹ።
ዝሃንግ ሃይ ሞት ኣቡኡ ብሰንኪ ጉድለት ምቁጽጻር ሰብ መዚ ውሃን ምኳኑ ብምሕባር፡ ድህሪ ሕጂ፡ ንናይ ሓባር ዕላማ ኢሉ ምስ መንግስቲ ኮይኑ ዝስሕሎ ፋስ ከምዘይብሉ እዩ ዝገልጽ።
እንተኾነ ናይ ደገ መንግስታተ ንመንግስቲ ቻይና ክነቕፋ ትብዓትን ባይታን ከምዘይብለንን ብምሓባር፡ "እዚ ናይ ስድራ ጉዳይ እዩ" ብምባል ንቻይና ከም ሓንቲ ስድራ ይገልጻ።
"ምዕራባውያን ሃገራት ኣብ ሃገራተን ዝርአ ዘሎ ቅልጡፍ ሞት ሰባት ንመንግስቲ ቻይና ዝሓምያሉ ዋላ ሓንቲ ምኽንያት የብለንን" ይውስኽ።
ብምስዓብ "ብሰንኪ ባህርያቶም ኣብ መጀመርታ ማስክ ክገብሩ ፍቓደናታት ኣይነበሩን፡ ካብ ናትና ዝተፈለየ ምትእምማንን ስነሓሳብን እዩ ዘለዎም" ይብል።





![ኣዲል ኢል-ታያር [ብጸጋም] ኣግመድ ኢል-ሃውራኒ](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/660/cpsprodpb/7134/production/_111608982_1920-aa-promo-composite.jpg.webp)


![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
