እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኮሮናቫይረስ፡ፕረዚደንት ትራምፕ ንኣፍረይቲ መኻይን መተንፈሲ መሳርሒ ከፍርዩ ኣዚዙ
ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ንኩባንያ መፍረ መካይን ጀነራል ሞተርስ፡ ንሕሙማት ኮሮናቫይረስ ዘገልግል መተንፈሲ መሳርሒ ከፍሪ ኣዚዙ።
ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ንፈጻሚ ስራሕ እቲ ኣብ ኣመሪካ ዝመደበሩ ዝዓበየ ኣፍራዪ መካይን ጀነራል ሞተርስ ድሕሪ ምንቃፍ፡ እቲ ኩባንያ ንኣሜሪካ ዘድልያ ኣቕሓ ከፍሪ ኣዚዙ።
ንሱ፡ ነቲ ትእዛዝ ክህብ ዘኽእሎ ኣብ እዋን ኩናት ኮርያ ዝወጽኣ ሕጊ ብምጥቃስ እዩ ነቲ መምርሒ ሂቡ።
እቲ ፕረዚደንት፡ "ጀነራል ሞተርስ ግዘ የባኽን ኣሎ" ድሕሪ ምባል ኣብዚ ግዘ ህይወት ኣሜሪካውያን ካብ ኮሮናቫይረስ ንምድሓን ስጉምቲ ክንወስድ ይግባእ ኢሉ።
ኣብዚ እዋን፡ ኣብ ኣሜሪካ ልዕሊ 104,000 ሽሕ ሰባት ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ኮይኖም፡ ኣብ ዓለም ካብ ዘለው ሕሙማት ዝለዓለ ቑጽሪ ዘለዋ ሃገር ተባሂላ ኣላ። በቲ ቫይረስ ድማ ከባቢ 1700 ሰባት ሞይቶም ኣለው።
ቅድም ኢሉ ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ዝርግሐ ኮሮናቫይረስ ንምዕጋት ፋብሪካታት ብፍቓዶም ንሕክምና ዝውዕሉ መሳሪሒታት ንምፍራይ ስርሖም ይቕይሩ ስለ ዘለው፡ ብሕጊ ክግደዱ ኣይግባእን ኢሉ ነይሩ።
ይኹን እምበር፡ ሕጂ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ዝርግሐ እዚ ቫይረስ ኣዝዩ ዘጨንቕ ስለ ዝኾነ፡ ብልሙድ ኩነታት ኮንትራት ሂብካ ንምቕባል ዝፈቅድ ኣይኮነን" ኢሉ።
ኣብ ትዊተር ድማ፡ ጀነራል ሞተርስ 40000 መተንፊሲ ሰሪሑ ከረክብ ዝተመባጽኦ ናብ 6000 ዘጎዶሎ ምኽንያት፡ "ክፍሊት ስለ ዝደለየ" ክብል ሓጪጩ።
ጀነራል ሞተርስ ትማሊ ከም ዝበሎ ድማ ካብ ዝመጽእ ወርሒ ሚያዚያ ጀሚሩ፡ ኣብ ወርሒ 10 ሸሕ መተንፈሲ መሳርሒታት [ቬንትሌተርስ] ከም ዘፍሪ ሓቢሩ።
እዚ ብፍላይ ሳንቡእ ዘጥቅዕ ኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሕጽረት ምስትንፋስ ዘጋጠሞም ሰባት ንምሕጋዝ ዝውዕል መሳርሒ ኮይኑ፡ ኣብ ኣሜሪካ ሕጽረት እዚ መሳርሒ የጋጥም ብምህላው፡ ኣመሓዳሪ ግዝኣት ሉዊዛኒያ ኒው ኦርሊንስ ኣብ ውሑዳት መዓልታት ዘለና መተንፈሲ መሳርሒ ተጠቒምና ክንውድእ ኢና ክብል ስግኣቱ ገሊጹ።
ሰብ ሞያ ከም ዝብሉዎ፡ ብምኽንያት ለበዳ ኮሮናቫይረስ፡ ብዝሒ ግዳያት ዓብዩ ኣስታት 960 ሽሕ ሰባት እዚ መሳርሒ ከድልዮም ይኽእል እዩ ይብሉ።
በዚ ቫይረስ ኣዐርያ ዝተጠቕዐት ኒውዮርክ 30 ሸሕ ቬንትሌተር እንተሓተተት'ውን፡ ትራምፕ ግን እዚ ዘይከድሊ ይኽእል እዩ ኢሉ።