ሕሉፍ-የማናዊ ፕረዚደንት ብራዚል ሓድነት ጠሊቡ

Published

ሓድሽ ፕረዚደንት ብራዚል፡ ጀይር ቦልሶናሮ ካብ ኣድልዎን ኣፈላልይን ብልሽውናን ገበንን ነጻ ዝኾነት ሃገር ክሃንጽ ተመባጺዑ።

ገለ ሃየስቲ ግና ነቲ ኣብ 1985 ዝተጨበጠ ዴሞክራሲ ከይደናደኖ ስግኣቶም ኪገልጹ ከለው፡ ገለ ድማ በቲ ፈላላዪን ዓሌታውን ከምኡ ድማ ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮን ሰዶመኛታትን ዘለዎ ኣጠማምታ ቁጠዐኦም ገሊጾም።

ሕሉፍ-የማናዊ ፕረዚደንት ብራዚል ጀይር ቦልሶናሮ ኣብቲ ናይ ጽምብል ስነ-ስርዓት ዝገበሮ መደረ ``ካብ ኣድልዎን ኣፈላላይን ነጻ ዝኾነ ሕብረተሰብ`` ክሃንጽ ተመባጺዑ።

ካፒታኖ-ነበር፡ ቦልሶናሮ ካብ ብልሽውና፡ ገበንን ሕማቕ-ምሕደራ ቁጠባን ነጻ ዝኾነት ብራዚል ንምህናጽ ``ሃገራዊ ውዕል`` ኪግበር ከምዝደሊ ንኣባላት ባይቶ ሓቢርዎም።

ንጸጋማውያን ብምዝላፍ፡ ብራዚል ካብ ``ማሕበርነትዊ ስነ-ሓሳብ`` ነጻ ኪገብራ ድማ ቃል ኣትዩ። ከም ሰብ ኣዝዩ ፈላላዪን ዓሌታውን ክኸውን ከሎ ጸረ-ደቀንስትዮን ጸረ-ሰዶመኛታትን ዝህቦ ርእይቶታትን ድማ ንብዙሓት ኣቖጢዑ ኢዩ።

እቲ ወዲ 63 ዓመት ቦልሶናሮ፡ ኣብቲ ብ28 ጥቅምቲ ዝተኻየደ ፕሬዚደንታዊ ምርጫ፡ ነቲ ኣባል ጸጋማዊ ሰልፊ ሰራሕተኛታት ዝኾነ መወዳድርቱ ፌርናንዶ ሃዳድ ብገፊሕ`ዩ ሰዒርዎ።

ኣብቲ ቅድሚ ምርጫ ዘካይዶ ዝነበረ ጎስጓስ፡ ነቲ ኣብ ብራዚል ዝሳዕረረ ብልሽውናን ገበንን ደው ንምባል ቃል ብምእታዉ ኢዩ ተዓዊቱ።

ፕሬዚደንት ኣሜሪካ ዶናላድ ትራምፕ ነቲ ቦልሶናሮ ብሰሉስ ዝገበሮ መደረ ድሕሪ ምንኣድ፡ ኣሜሪካ ምስኻ ኢያ ኢልዎ።

ወጻኢ ጉዳይ ምኒስተር ኣሜሪካ ማይክ ፖምፔዮ፡ ቀድማይ ምኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ኔቴኛሁ፡ ቀዳማይ ምኒስተር ሃንጋሪ ቪክቶር ኦርባንን ፕሬዚደንት ፖርቱጋል ሬቤሎ ዴሶውሳን ገለ ካብቶም ኣብቲ ጽምብል ዝተኻፈሉ መራሕቲ ሃገራት ኢዮም።

እንታይ`ዩ ቦልሶናሮ ተመባጺዑ?

``ብራዚል ካብቲ ዓትዒቱ ዝሓዛ ስነ-ሓሳብ ነጻ ከውጽኣ እየ`` ኢልዎም ነቶም ኣባላት ባይቶ።

``ስልጣን ብገስጋሲ፡ ጽፉፍን ሓላፍነታውን መንገዲ ከመቓርሕ ኢየ`` ኢሉ።

ምምሕዳሩ ``ነቶም ኣብዛ ሃገር ጽቡቕ ኣብያተ ትምህርቲ ብምህላው ደቆም ንጽቡቕ ስራሕ ክምልምሉ ንዝደልዩ ብራዚላውያን ቃል ይኣቱ`` ኢሉ።

``ንሰራዊትን ፖሊስን ክድግፍ ቃል ብምእታው፡ እቲ ሃገራዊ ጭርሖ ስርዓትን ምዕባልን ኢዩ። ዝኾነ ሕብረተሰብ ድማ ነዚኤን ከየኽበረ ክምዕብል ኣይካልን ኢዩ`` ኢሉ።

ንቑጠባ ብዝምልከት ``ሓድሽን ሓያልን ክፉት ዕዳጋ ክምስርትን ኣገዳሲ ዝኾነ መዋቕራዊ ለውጢ ብምግባር ነቲ ክስራታት

ንምቁጽጻር ብረት ኣመልኪቱ ኣብዝሃቦ መግለጺ፡ ቅኑዓትን ካብ ገበን ነጻ ዝኾኑ ዜጋታት ብታት ብረት ንኽውንኑ ዝኽእሎም ሕጊ ክእውጅ ከምዝኾነ ኣብቲ ዝሓለፈ ቐዳም ዝገበሮ ትዊት ገሊጹ።

ኣብ ባይቶ ቃለ-መሓላ ድሕሪ ምፍጻም፡ ናብ ቤተ-መንግስቲ ፕላናልቶ ብምቕናዕ፡ ካብ ፕሬዚደንት-ነበር ሚሼል ቴሜር እቲ ፕሬዚደንታዊ ቅናት ተቐቢሉ።

ብድሕሪኡ ኣብ ዝገበሮ መደረ፡ ድሕሪ ደጊም ብራዚል ``ካብ ማሕበርነትን ፖለቲካዊ ቅኑዕነትን ነብሳ ነጻ ከተውጽእ ኢያ`` ኢሉ።

መን`ዩ ቦልሶናሮ?

እብቲ ጎስጓስ ዝገብረሉ ዝነበረ እዋን፡ ዋላ`ኳ ንነብሱ ከምዘይፖለቲከኛ እንተቖጸራ፡ ቦልሶናሮ ቅድሚ ፕሬዚደንት ኮይኑ ምምራጹ፡ ሸውዓተ ግዜ ከም ኣባል ኮንግረስ [ታሕተዋይ ባይቶ] ኮይኑ ኣገልጊሉ ኢዩ።

ቅድሚ ኣባል ሶሻል ሊበርራል ፓርት ምዃኑ ኣባል ዝተፈላለያ ሰልፍታት`ውን ነይሩ ኢዩ።

ቅድሚ ናብ ፖለቲካ ዓለም ምምጽኡ፡ ቦልሶናሮ ኣብ ሓይሊ ኣየር ስጋብ ናይ ካፒታኖ ማዕረግ በጺሑ ኢዩ።

ኣብ መስከረም ጎስጓስ ኣብዝገብረሉ ዝነበረ እዋን ብኻራ ተሃሪሙ፡ ድሕሪ ወርሒ ኢዩ ሓዊዩ።

ስለምንታይ`ዩ ምምራጹ ምልዕዓል ፈጢሩ?

ብራዚል ከም ሃገር ድሕሪ 20 ዓመታት ብወተሃደራዊ መንግስቲ ምምሕዳራ ኣብ 1985 ኢያ ናብ ዴሞክራሲ ተመሊሳ። ሕጂ ናይ ቦልሶናሮ ናብ ስልጣን ምምጽኡ ድማ ነቲ እታ ሃገር ከተስተማቕሮ ዝጸንሐት ዴሞክራሲ ክደናደኖ ይክእል`ይ ክብሉ ገለ ሃይስቲ ስግኣታቶም ይገልጹ።

እተን ቀንዲ ፖሊሲታቱ እንታይ እየን?

ብራዚል ካብ ገበንን ብልሽውናን ነጻ ምግባር ኢዩ።

ድሕሪ ምምራጹ ድማ ነቲ ኣብ ብራዚል ብጸረ-ብልሽውና መርገጺኡ ዝልለ ዳና ሴርጂዮ ሞሮ ከም ምኒስተር ፍትሒ ሸይምዎ።

ናይ ብራዚል ኣራህጉራዊ ዝምድናታት ብኸመይ ክጽሎ`ዩ

ቦልሶናሮ ኣህጉራዊ የዕሩኽቱን ጸላኣቱን ብዓል መን ከምዝኾኑ ብንጹር ክገልጽ ጸኒሑ። ንፕሬዚደንት ትራምፕ ከም ኣብነት ኢዩ ዝወስዶ። ናይ ኣሜሪካ መርገጺ ብምስዓብ ድማ ናይ ብራዚል ኤምባሲ ኣብ እስራኤል ካብ ቴል ኣቪቭ ናብ የሩሳሌም ከግዕዝ ቃል ኣትዩ።

ቦልሶናሮ መንግስቲ ኩባ ነቲ ደሞዝ ናይቶም ኣብ ብራዚል ዝሰርሑ ዝነበሩ ኩባውያን ሓካይም ብምዕጋቱ ከሲስዎም፡ ብሰንኪ`ዚ ድማ መንግስቲ ኩባ ነቶም ኣብ ብራዚል ዝሰርሑ ዝነበሩ ሓካይም ካብቲ ሃገር ስሒባቶም።