ተፃዊወቲኩዕሶ እግሪ ብራዚል
Published
ኣና ሉዛን ሉዚያን ኩዕሶ ክጻወታ እኳ ዝፈትዋ እንተኾና፡ እቶም መጻውተንን ደቂ ተባዕትዮን ስለዘላገጹለንን ዝሕጩጭለንን ንክጻወታ ዕድል ኣይረኽባን።
ለውጢ ክመጽእ ስለዝደልያ፡ ነቲ ጸገም ንምውጋድ፡ ኣብ ብራዚል ምስ ዝሰርሕ ዘሎ ‘ቢቢሲ 100 ብሉጻት ደቂ ኣንስትዮ’ ሓቢረን ይሰርሓ ኣለዋ። እቲ ጉጅለ ኪኢላታት እዘን ክልተ ኣዋልድ ኣብቲ ህቡብ ዝኾነ ባህሊ ስፖርት ብራዚል ንክሳተፋ ከተባብዑ ንሓደ ሰሙን ምስአን ቀንዮም።