እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ሕብረተሰብ ኣፍልጦ ንምዕባይ ዝንቀሳቐሳ ዘለዋ ካብ መጥቃዕቲ ኣሲድ ዝደሓና ደቂ ኣንስትዮ
Published
ካርመን ሳንቸዝ ምስ’ቲ ተጻራፊ መጻምድታ ነበር ድሕሪ ምፍልላያ፡ መጥቃዕቲ ኣሲድ ኣብ ልዕሊኣ ብምፍጻሙ፡ ኣብ ከቢድ ስግኣት ክትነብር’ዩ ጌሩ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ከምኣ ንዝኣመሰሉ ግዳያት መጥቃዕቲ ኣሲድ ዝሕግዝ ሓደ ማሕበር መስሪታ። ኣብ ሜክሲዶ ካብ 2001 ንደሓር ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ካብ ዝተፈጸመ መጥቃዕትታት ኣሲድ፡ እቲ 20% ነተን ግዳያት ንሞት ኣሳጢሑ እዩ። እንተኾነ ግና እቲ ኣሃዝ ካብዚ ብተዓጻጻፊ ዝዓቢ ክኸውን ከምዝኽእል ሰብ መዚ ይገልጹ።