ፕረዚደንት ቡርኪናፋሶ ነበር ብቕትለት ቶማስ ሳንካራ ንሕልፈት ተፈሪዱ

Published

ወተሃደራዊ ቤት ፍርዲ ቡርኪናፋሶ፡ ኣብቲ ኣብ 1987 ዝተፈጸመ ቅትለት መራሒ እታ ሃገር ነበር ቶማስ ሳንካራ ተሓባቢሩ ዝተባህለ ፕረዚደንት ነበር ብለይዝ ኮምፓዎሬ ብዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ ክቕጻዕ ወሲኑ፡፡

ኣብ ስደት ዝርከብ ኮምፓዎሬ፡ ኣብ ዘየለሉ እዩ እቲ ብይን ተዋሂብዎ ዘሎ፡፡

በዓልቲ ቤት መራሒ ቡርኪናፋሶ ነበር ቶማስ ሳንካራ፡ ኮምፓዎሬ ብዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ ክቕጻዕ ንዝተበየነ ፍርዲ ተቐቢላቶ።

ሜሪያም ሳንካራ፡ "ሕጂ፡ ኩሉ ሰብ ቶማስ ሳንካራ መን ምዃኑ፣ እቲ ፖለቲከኛ መን እዩ፣ እንታይ ይደሊ፣ እቶም ዝቐተሉዎ ሰባትከ እንታይ ይደልዩ ዝብል ክፈልጥ'ዩ። በዚ መንጽር መን ምዃኑ ስለ ዝፈለጥና ክኣ ሩፍታ ረኺበ ኣለኹ" ኢላ።

ኣባል ስድራ ሙሲባ ሳንካራ'ውን እቲ ፍርዲ ነቲ ኣብ ዙርያ ሳንካራ ክኸፋፍል ዝጸንሐ ጉዳያት መዕለቢ ክህቦ ተስፋ ከም ዝገብር ተዛሪቡ።

"እዚ፡ ንኹሉ ሰብ፣ ንኹሉ ግዳይ ስድራ፣ ንህዝብን ካልእን ዓብዪ ትምህርቲ እዩ ይብል። ምኽንያቱ እቲ ጉዳይ ንህዝቢ ጥራይ ዘይኮነ ካብዛ ሃገር ወጻእ ንዘለው ደገፍቲ'ውን ጎዲኡ እዩ። ስለዚ እዚ ፍርዲ ነቲ ኣብ ሞንጎና ዝጸንሐ ቅርታ ከጥፍኦ'ዩ" ኢሉ።

ሓላፊ ድሕነት ዝነበረ ህያሲንተ ካፋንዶ እውን ብተመሳሳሊ ንሕልፈት ተፈሪዱ ኣሎ፡፡

ገስጋሲ ማርክሲስት ዝነበረ ቶማስ ሳንካራ ኣብ 1987 እዩ ምስ ካልኦት 12 ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ኡጋድጉ ብዕጡቓት ተቐቲሉ፡፡

ድሕሪኡ ፕረዚደንት እታ ሃገር ዝኾነ ኮምፓወሬ ድማ ኣብ 2014 ካብ ስልጣን ክሳብ ዝተኣለየሉ እዋን ን27 ዓመታት ንቡርኪናፋሶ መሪሕዋ፡፡

ቶማስ ሳንካራ መን እዩ?

እቲ ኣፍሪቃዊ ቸ ጔቬራ ተባሂሉ ዝጽዋዕ፡ ኣዝዩ ግኑን መራሒ ቡርኲናፋሶ ዝነበረ ኮይኑ፡ ከም ሓደ መለኮታዊ ባእታ ዝውሰድ ኣፍሪቃዊ'ዩ።

ኣብ 1983 ብወተሃደራዊ ዕልዋ ስልጣን ዝጨበጠ ሳንካራ፡ ነታ 'ኣፐር ቮልታ' ዝብል መግዛእታዊ መጸዊዒ ዝነበራ ሃገሩ፡ ቡርኲናፋሶ (ምድሪ ቅኑዓት ሰባት) ዝብል ስም ዝሃበ ምዃኑ ታሪኽ'ታ ሃገር ይሕብር።

ኣብተን ኣብ ስልጣን ዝነበረለን ዓመታት፡ በቲ ኣንጻር ሃጸይነት ዝነበሮ ተቓውሞታት፡ ብማሕበርነታዊ ስነሓሳብ ዝተቓነየ ቁጠባዊ ፖሊሲታቱን፡ ምቕሉልነቱን'ዩ ዝፍለጥ ነይሩ።

ኣብ 1987 ግን ኣብ መበል 37 ዓመቱ፡ ክሳብ ሕጂ ንጹር ብዘይኮነ ኣገባብ፡ ብወተሃደራት ተቐቲሉ።

ኣብ ኣፍሪቃ፡ ብፍላይ ኣብ መንእሰያት ሓያል ሓድጊ ዝገደፈ ምዃኑ ይፍለጥ።

ገለ ግን፡ ንሱ'ውን ብዕልዋ ናብ ስልጣን ምድያቡ ካብ ካልኦት ምልካውያን ኣፍሪቃውያን መራሕቲ ዝፈልዮ የለን ክብሉ ይነቕፍዎ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ኣብቲ ዝተቐንጸለሉ፡ ኣብ ርእሰከተማ ኡጋዱጉ ዝርከብ ቦታ፡ ንኽብሩ ብምስሉ ሓወልቲ ተሰሪሑሉ ይርከብ።

ኣብዚ ቀረባ ዓመታት፡ እታ ሃገር ፖለቲካዊ ምርግጋእ ተሓሪምዋ፡ ግዳይ ቀጻሊ መጥቃዕትታት እስላማውያን ዕጡቓት ኮይና ከምዘላ ይፍለጥ።

ቶማስ ኣርባዕተ ዓመታት ቅድሚ ቅትለቱ ምስ ኮምፓዎሬ ብምዃን ናብ ፕረዚደንትንት ዘብቅዖ ዕልዋ መንግስቲ ኣካይዶም ነይሮም።

ኮምፓዎሬ ሓደ ካብ መንጎ እቶም 14 ተኸሰስቲ’ዩ ነይሩ። ኣብ 2014 ኣቆጻጽራ ኣውሮጳ ኣብታ ሃገር ንዝተወለዐ ህዝባዊ ተቓውሞ ስዒቡ ከኣ ጎረቤት ሃገር ናብ ዝኾነት ኣይቮሪኮስት ተሰዲቱ ክነብር ጀሚሩ።

ንሱ ኣብ ቅትለት ቶማስ ሳንካራ ኢዱ ከም ዘይሓወሰ ብተደጋጋሚ ብምግላጽ ኣብ መስርሕ ፍርዲ ከም ዘይርከብ ኣቕቢጹ’ዩ።

ሳንካራ ካብ ዝቕተል ነዊሕ ዓመታት’ኳ እንተተቖጸረ ብዙሓት ኣፍሪቃውያን ግን ከም ተምሳሌት ወይ ኣብነት ይቖጽርዎ።

ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዘለዋ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ዝህባ ታክሲታት ብስእልታቱ ዝወቀባ’የን።

ደቡብ ኣፍሪቃዊ መራሒ ተቓዋሚ ውድብ ጁሌት ማሌማ’ውን ካብ ሞንጎ ኣብ ህይወቱ ብኣብነት ዝወስዶም ሰባት ሳንካራ ሓደ’ዩ።