እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዙር ርዋንዳ ራብዓይ መድረኽ፡ ሰለስቲኦም ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ምስ ቀዳሞት ሸሞንተ ኣትዮም
Published
ኣብዚ ናይ ሎሚ ውድድር መይን ከንት ንውድድሩ ሰልስተ ሰዓት፡ 17 ደቒቕን 40 ካልኢትትን እዩ ዛዚሙ። ወዲ ጋንታኡ ንመትከል እዮብ: ቡድያክ ኣናቶሊ ካልኣይ፡ ቦይለው ኣላን ካብ ቢ ኤንዲ ቢ ሆቴልስ ሳልሳይ: ተቐዳዳማይ ተረንጋኑ ፖሊጎን መትከል እዮብ ሰለስተ ካልኢት ድሒሩ ራብዓይ፡ ሄኖክ ሙሉብርሃን ካብ ባይክ አይድ ከምኡ'ውን ናትናኤል ተስፋጽዮን ካብ ጋንታ ድሮን ሆፐር ኣንድሮኒ ጂካቶሊ ብተመሳሳሊ ሰለስተ ካልኢት ጥራይ ከሲሮም ሻዱሻይን ሻሙናይን ወጺኦም።