እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ብስዑዲ ዝምራሕ ሓይልታት ጥምረት ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ የመን መጥቃዕቲ ኣየር ኣካይዱ
ብስዑዲ ዝምራሕ ሓይልታት ጥምረት ኣብ የመን ርእሰ ከተማ ሰንዓ ኣብ ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ብሰኑይ መጥቃዕቲ ኣየር ፈጺሞም።
እቲ ስዑዲ እትመርሖ ጥምረት ፡ መዓርፎ ነፈርቲ ሰንዓ፡ ስግረ-ዶባዊ መጥቃዕቲ ንምክያድ ይጥቀመሉ ከም ዝነበረ'ዩ ዝገልጽ።
የመን ካብ 2014 ኣትሒዛ ኣብ መንጎ ሑትን መንግስትን ከቢድ ኲናት ሓድሕድ ይካየድ ኣሎ።
ሓይልታት ደባይ ተዋጋእቲ ነቲ መዓርፎ ነፈርቲ ንሓያሎ ዓመታት ተቖጻጺሮሞ ኣለው። እቲ መዕርፎ ነፈርቲ ማእከል ናይቲ ብው.ሕ.ሃ. ዝምራሕ ሰብኣዊ ስርሒታት ኮይኑ እዩ ዘግልግል።
ሓይልታት ስዑዲ እቲ መጥቃዕቲ ቅድሚ ምፍጻሙ፡ ሰራሕተኛታት ረድኤት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ካብቲ ቦታ ንኺወጽኡ ከምዝተማሕጸነ ማዕከናት ዜና ስዑዲ ሓቢረን።
ሓይልታት ጥምረት፡ እቲ መጥቃዕቲ፡ ኣብ ውሱን ወተሃደራዊ ዒላማ ከምዘተኮረ እዮም ዝሕብሩ።
እቲ መጥቃዕቲ ናይ ድሮን መጥቃዕቲ ንምጅማር ዝጥቀሙሉ ቦታታት፡ ንኣሰልጠንትን ሰልጠንትን ድሮን፡ ከምኡ እውን ኣብ ውሽጢ ኣባይቲ ንዝግበር ታዕሊም፡ ከምኡ እውን እተን ድሮናት ተኸዚነናሉ ዘለዋ ሽዱሽተ ዒላማታት ከም ዝወቕዐ፡ ኣፈኛ ብሪጋዴር ጀነራል ቱርኪ ኣል-ማልኪ ገሊጹ።
ጀነራል ቱርኪ ኣል-ማልኪ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ነዚ ዒላማታት እዚ ምውቃዕን ምጥፋእን፡ ኣብ ኣገልግሎት እቲ መዓርፎ ነፈርቲ ዋላ ሓንቲ ጽልዋ ኣይኪህልዎን እዩ። ነቲ ኣብ ኣየር ዘሎ በረራን ምንቅስቓስ ኣየርን ነቲ ኣብ መሬት ዘሎ ስራሓትን ምቍጽጻር እውን ጽልዋ ኣይኪገብርን እዩ" ኢሉ ።
ይኹን እምበር እቲ መጥቃዕቲ ሓይልታት ጥምረት ዘውረዶ ጕድኣት ወይ ዒላማኡ እተሃርመሉ ምኽንያት ብዝርዝር ኣይገለጸን ።
እታ ካብ ሃገራት ዓረብ ዝደኸየት ሃገር ምዃና ዝንገረላ የመን፡ ኣብ 2015 ውግእ ሓድሕድ ካብ ዝጅመር ክሳብ ሕጂ፡ ኣብ ዓለም ዝኸፍአ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣጋጢሙዋ ኣሎ ።
ኣብዚ ቀረባ ኣዋርሕ ከኣ ኣብታ ሃገር ኲናት እናሓየለ'ዩ መጺኡ'ሎ።
ሓይልታት ደባይ ተዋጋእቲ ንማእከላይ ከተማ ማሪብን ነታ ኣብ ገማግም ባሕሪ እትርከብ ከተማ ሖደይዳን ዒላማ ክገብሩ ከለዉ፡ ሓይልታት ጥምረት ከኣ ኣብ ሰንዓን ካልኦት ኣብቲ ደባይ ተዋጋኢ ቦታታት ዝርከቡ ዕጡቓት ናይ ኣየር መጥቃዕትታቶም ይውስኽ ኣሎ።
ዑጡቓት ሖቲ ነቲ ብኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ተቐባልነት ዘለዎ መንግስቲ ካብ ሰንዓ ምስኣለዩዎ እዩ እቲ ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ጥምረት ኣብ 2015 ኣብ የመን ጣልቃ ብምእታው ኵናት ከፊቱ።
እቲ ግጭት ካብ ዝጅምር ክሳብ ሕጂ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ተቐቲሎም። ኣብ መንጎ ተወዳደርቲ ሓይልታት ናይቲ ዞባ ድማ ናይ ውክልና ውግእ ይካየድ ኣሎ
።