ኣመሪካዊ ጋዜጠኛ ዳኒ ፌንስተር ኣብ ምያንማር ን11 ዓመት ክእሰር ተፈሪዱ

Published

ወተሃደራዊ ቤት ፍርዲ ምያንማር ንኣመሪካዊ ጋዜጠኛ ዳኒ ፌንስተር ን11 ዓመታት ክእሰር ፈሪድዎ።

ዳኒ ፌንስተር፡ ብጥሕሰት ሕጊ ኢሚግረሽን እታ ሃገርን ህዝቢ ነቲ ወተሃደራዊ ምምሕዳር ከይምእዘዞ ዘይሕጋዊ ምትብባዕ ገይሩ ተባሂሉ እዩ ን11 ዓመታት ክእሰር ተፈሪዱ።

ኣብ መጀመርታ እዚ ሰሙን'ውን ምንዓብን ግብረሽበራን ዝብሉ ክልተ ተወሰኽቲ ክስታት ቐሪበሙሉ ነይሮም።

እቲ ጋዜጠኛ በዚ ዳሕረዋይ ክሱ ገበነኛ ኮይኑ እንተተረኺቡ ንሕልፈት'ውን ክእሰር ይኽእል።

እንተኾነ ናይዚ ድሒሩ ዝቐረበሉ ክልተ ክስታት ፍርዳዊ መስርሑ ገና ኣይተጀመረን።

ወዲ 37 ዓመት ዳኒ ፌንስተር፡ ፍሮንተር ምያንማር ዝተባህለት መርበብ ሓበሬታ ላዕለዋይ ኤዲተርን ኣመሓዳሪኣን ኮይኑ ዝሰርሕ ዝነበረ ኮይኑ ኣብ ወርሒ ግንቦት'ዩ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ያንጎን ብኣካላት ጸጥታ ምያንማር ኣብ ቀይዲ ኣትዩ።

ኣብ ምያንማር ኣብ ወርሒ ለካቲት ወተሃደራዊ ዕልዋ መንግስቲ ካብ ዝካየድ ንድሓር ዳኒ ፌንስተር ዝርከቦም ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ጋዜጤኛታት ተኣሲሮም ኣለዉ።

ብመሰረት ካብታ ዳኒ ፌንስተር ዘካይዳ ዝነበረት መርበብ ሓበሬታ ዝተዋህበ መግለጺ፡ እቲ ጋዜጠኛ ኣቐድም ኣቢሉ ምስ 'ምያንማር ናው' ዝተባህለት መርበብ ሓበሬታ እዩ ዝሰርሕ ነይሩ።

እቲ ዝቐረበሉ ክስን ንኽእሰር ዘፍረዶን ኸኣ ኣብ ምያንማር ናው እናሰርሕ እንከሎ ፈጺምዎ ዝተባህለ እዩ።

መርበብ ሓበሬታ ፍሮንተር ምያንማር ኣብ ዘውጸአቶ መግለጺ ድማ "እቲ ፍርዱ ንምንታይ ኣብታ ከይትሰርሕ ዝተኣገደት ምያንማር ናው ሰሪሕካ ዝብል እዩ። ዳኒ ካብ ሓምለ 2020 ጀሚሩ ምስ ምያንማር ናው ዝነበሮ ውዕል ኣቋሪጹ ምስታ መርበብ ሓበሬታ ምሰራሕ ኣቋሪጽዎ። ድሕሪ ሓደ ወርሒ ኸኣ ምስ ፍሮንተር ምያንማር ስራሕ ጀሚሩ ክሳብ ኣብ ግንቦት 2021 ዝእሰር ኸኣ ምሳና ሰሪሑ" ኢላ።

ብምስዓብ "ንዳኒ ፌንስተር ከኽስሶን ክእስሮን ዝኽእል ዝኾነ ሕጋዊ ባይታ የለን" ኢላ።

ቅድሚ ሓደ ወርሒ'ውን ጃፓናዊ ጋዜጤኛ ስኑዕ ዜና ዘርጊሕኻ ተባሂሉ ኣብ ምያንማር ተኣሲሩ ነይሩ።

እንተኾነ እቲ ዩኪ ኪታዙሚ ዝተባህለ ጃፓናዊ፡ ጃፖን ብዝገበረቶ ጻዕሪ ክፍታሕ ክኢሉ እዩ።

መንግስቲ ኣመሪካ ንወተሃደራዊ ምምሕዳር ምያንማር ንዳኒ ፌንስተር ክፈትሖ'ኳ እንተሓተተት፡ ወሃቢ ቃል ወተሃደራዊ መንግስቲ ምያንማር ግን ዳኒ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክጸንሕ ምዃኑ'ዩ ምልሲ ሂቡ።

ወተሃደራዊ ሓይሊ ኣብ ወርሒ ለካቲት ብዕልዋ መንግስቲ ስልጣን ካብ ዝሕዝ፡ ኣንጻሩ ንዝተለዓለ ህዝባዊ ናዕቢ ንብርዓን ብዝወሰዶ ወተሃደራዊ ሓይሊ 1178 ሰባት ክቕተሉ እንከለዉ ልዕሊ 7000 ሰባት ተኣሲሮም ኣለዉ።