እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣርጀንቲና፡ ኣብ ሜዳ ኩዕሶ እግሪ ብዝተላዕለ ዕግርግር ኣሰልጠኒ ብጥይት ተሃሪሙ
ኣብ ኣርጀንቲና ብሰንበት ኣብ ሞንጎ ክልተ ናይ ሳልሳይ ዲቪዥን ጋንታታት ኣብ ዝተኻየደ ግጥም ኣብ ሞንጎ ደገፍቲ ብዝተላዕለ ዕግርግር ሓደ ኣሰልጣኒ ኣብ ሞንኩቡ ብጥይት ተሃሪሙ።
ጋንታ ሁራካን ላስ ሀራስ ጋንትኦም ምስ ፌሮ ዲ ጀነራል ፒኮ ኣብ ትገጥመሉ ዝነበረት ኣብ ደገፍቲ ብዝተለዓለ ዕግርግር ተጻወትቲ ካብ ሜዳ ሃዲሞም ክወጽኡ ተገዲዶም።
እቲ ኣብ ዞባ ማንዶዛ ዝካየድ ዝነበረ ግጥም፡ እቶም ደገፍቲ ጋንታ ሁራካን ላስ ሀራስ ንሓድሕዶም ብጥይት እናተተኳኾሱ ዘርኢ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ተዘርጊሑ ይርከብ።
ኣሰልጣኒ ጋንታ ፌሮ ዲ ጀነራል ፒኮ ማውሪስዮ ሮመሮ ብዝተተኾሰ ጥይት ኣብ መንኩቡ ምስ ተሃረመ ኣብ ውሽጢ እቲ ስታድዮም ሕክምናዊ ረድኤት ተገይርሉ ብቐጥታ ናብ ሆስፒታል ተወሲዱ።
ምምሕዳር ጋንታ ፌሮ ዲ ጀነራል ፒኮ ማውሪስዮ ሮመሮ ኣብ ጽቡቕ ኩነታት እዩ ዘሎ። ናብ ከቢድ ሓደጋ ዘቓልዖ መውጋእቲ ኣየጋጠሞን" ኢሉ።
ግጥም ጋንታታት ሁራካን ላስ ሀራስን ጋንታ ፌሮ ዲ ጀነራል ፒኮን ኣብ ካልኣይ እብረ ጋንታ ሁረካን ላስ ሀራስ 3 ብ 1 እናመረሐ እንከላ እዩ እቲ ክስተት ኣጋጢሙ።
እቲ ጸወታ'ውን ንዘይተፈለጠ ግዜ ተናዊሑ ኣሎ።
ሁረካን ላስ ሀራስ ነቶም ኣብ ባእሲ ዝተጸመዱ ደገፍቲ ኮኒና ኣላ።
እታ ጋንታ ኣብ ናይ ፌስቡክ ገጻ ኣብ ዘመሓላለፈቶ መልእኽቲ "ንዓመታት እቶም ሓቀኛታት ደገፍትና ብሰንኪ ተደጋጋሚ ባእሲ ካብ ሜዳ ክርሕቁ ጸኒሖም'ዮም። እቶም ንጋንታና ዝሃስዩ ኣርሒቑ ነቶም ቀንዲ ደገፍትና ናብ ሜዳና ዝምለስሉ እዋን የምጽኣልና" ኢላ።