እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ የመን ዶናልድ ትራምፕን ልኡል ስዑዲ መሓመድ ቢን ሳልማንን ኣብ ዘይተረኽቡሉ ንሞት ተፈሪዶም
ኣብ የመን ቤት ፍርዲ ዕጡቓት ሑቲ ንፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕን ልኡል ስዑዲ መሓመድ ቢን ሳልማንን ኣብ ዘይተረኽቡሉ ንሞት ፈሪዱ።
እቲ ቤት ፍርዲ ኣብ ክሲ መዝገብ ዶናልድ ትራምፕ ተኸሲሶም ንዝነበሩ ትሽዓተ ሰባት ብሰንበት ኣብ ኣደባባይ ብሞት ቀጺዑ።
ሕቡራት ሃገራት፣ ኣውሮጳዊ ሕብረት፣ ኣመሪካን ብሪጣንያን ነቲ ኣብ ኣደባባይ ዝተፈጸመ ተግባር ቅትለት ብትሪ ኮኒኖም።
ሓደ ካብቶም ብሰንበት ኣብ ኣደባባይ ሰንዓ ብጥይት ዝተቐትሉ ሰባት፡ ኣብ ቀይዲ ኣብ ዝኣተወሉ እዋን ትሕቲ ዕድመ ምንባሩ ተገሊጹ።
እቶም ሰባት ኣብ 2018 ብኣየር ዝተፈጸመ ቅትለት መራሒ ሑቲ ኢድ ከም ዝነበሮም እዩ ቤት ፍርዲ ዕጡቓት ሑቲ በይኑ።
ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ፡ እቲ መስርሕ ፍርዲ ንኣህጉራዊ መዐቀኒታት ዘየማልአ ምዃኑ ክገልጽ እንከሎ ኣመሪካ ብወገና ድሕሪ "ናይ ዓመታት ምስቃይ" ዝተፈጸመ "ኣምሰሉ" ክትብል ገሊጻቶ።
የመን፡ ኣብ 2015 ዕጡቓት ሑቲ ንዝበዝሐ ክፋል እታ ሃገር ምስ ተቖጻጸሩ ብስዑዲ ዝምራሕ ልፍንቲ ንመሪሕነት ፕረዚደንት ዓብደራቡሕ መንሱር ሓዲ ናብ ስልጣን ንምምላስ ብዝጀመሮ ስርሒት ብዝተጓሃሃረ ግጭት ከቢድ ዕንወት እዩ በጺሕዋ።
በቲ ግጭት ልዕሊ 130,000 ሰባት ከም ዝተቐትሉ ክግለጽ እንከሎ፡ ሕቡራት ሃገራት እቲ ዝኸፍአ ናይ ዓለምና ቅልውላው ክብል ይገልጾ።
በቲ ቅልውላው ከባቢ 5 ሚልዮን ህዝቢ ንዓጸቦ ክቃላዕ ተቓሪቡ ምህላው እዩ ዝግለጽ።
ኣብቲ ብሰንበት ኣብ ኢንተርነት ዝተዝርግሐ ስእልን ቪድዮን፡ ወተሃደራት ሑቲ ንትሽዓተ ሰባት ኣብ ኣደባባይ ታሕሪር ብጥይት ኣብ ዝባኖም ክሃርምዎም የርኢ።
ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ሓደ ካብ ላዕለዎት መራሕቲ ሑቲ ዝነበረ ሳልሕ ኣል ሳማድ ብናይ ኣየር መጥቃዕቲ ኣብ ከተማ ሑደይዳ ዝተቐተለ ኮይኑ 16 ሰባት ምስቲ ቅትለት ዝተኣሳሰር ንጥፈታት ስለያን ምቕባል ተኣፋፊ ሓበሬታን ገበነኛታት ምዃኖም ተገሊጹ።
እቶም ትሽዓተ ብሰንበት ብሞት ክቕጽዑ እንከለው፡ ልኡል ሰዑዲ መሓመድ ቢን ሳልማንን ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕን ዝርከብዎም ሸውዓተ ሰባት ኣብ ዘይተረኽቡሉ ንሞት ተፈሪዶም።
በቲ ተግባር ቅትለት ከም ዝሓዘነ ዝገለጸ ኣፈኛ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ተግባር ብትሪ ብምኹናን ኩሎም ወገናት የመን ምጥቃም ናይ ሞት መቕጻዕቲ ከወንዝፉ ጸዊዑ።
ኣፈኛ ኣውሮጳዊ ሕብረት ብወገኑ እቲ መቕጻዕቲ ኢ-ሰብኣዊ እዩ ብምባል ኮኒንዎ።