ኢትዮጵያ ልዕሊ 500 ቢልዮን ብር ዓመታዊ ሃገራዊ በጀት ከምእተጽድቕ ኣፍሊጣ

Published

ዓመታዊ በጀት ኢትዮጵያ ንፈለማ እዋን ልዕሊ 500 ቢልዮን ብር ክኸውን ዝገብር ረቂቕ በጀት ብቤት ምኽሪ ሚንስትራት ጸዲቑ።

ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ኢትዮጵያ፡ ንዝመጽእ ዓመት ዝውዕል ዓመታዊ በጀት ካብቲ ሕሉፍ ብ85 ቢልዮን ክብ ዝበለ ረቂቕ ከምዘዳለወ ተፈሊጡ።

ዓመታዊ በጀት መንግስቲ ፌደራል ልዕሊ 561 ቢልዮን ብር ክኸውን ምውሳኑ እቲ ረቂቕ ዘመልከተ ኮይኑ፡ ምስቲ ኣብ ዝውዳእ ዘሎ ዓመተ 2013 [ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ] ዝነበረ 476 ቢልዮን ክነጻጸር ከሎ ናይ 18 ሚኢታዊት ወሰኽ ኣለዎ።

እቲ ቤት ምኽሪ ነቲ ናይ 2014 ረቂቕ በጀት ቅድሚ ምጽዳቑ ነዚ ዝዛዘም ዘሎ ዓመት ኣብ ዘድልይ ተወሳኺ በጀትን ወጻእታት መንግስቲ ንምሽፋን ዘድልይ ምምሕያሽን ተግባረዊ ንክኸውን ኣብ ዝቐረበ ሓሳብ ምዝርራቡ ተፈሊጡ’ሎ።

በዚ መሰረት እቲ ተወሳኺ በጀት ኣብ ትግራይ ምስ ዝተወለዐ ኲናት ብዝተሓሓዝ ንዘጋጠመ ወጻእታት፣ ብደርቂ ንዝተሃሰዩ፣ ንዝተፈናቐሉን ናብ ከባቢኦም ንዝምለሱን ዝኸውን ቀረብ ረድኤት፣ ለበዳ ኮቪድ-19 ንምክልኻል፣ ንድጎማ ቀረብ ድኹዒ [መሰሰኒ ምህርቲ]ን ምክልኻል ሓደጋ ውሕጅን ከምዝውዕል ኣነጺሩ።

ብተወሳኺ ድማ ንፕሮጀክት ምጥንኻር ሚንስትሪ መዓድንን ነዳድን ከምኡ’ውን “መጠባበቒ በጀት ስለዝተወደአ ኣብ ዝቕጽሉ ኣዋርሕ ንዘድልዩ ዝተፈላለዩ ወጻእታት መጠባበቒ በጀት ምምዳብ ኣገዳሲ ብምዃኑ” እቲ ተወሳኺ በጀት ከምዘድለየ ኣብ መግለጺኡ ሓቢሩ።

እቲ ተሓቲቱ ዘሎ ተወሳኺ በጀት ድማ 26.4 ቢልዮን ብር ከምዝኾነ ተፈሊጡ። እዚ መጠን ገንዘብ ግን ናብ ባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ቀሪቡ ክጸድቕ ኣለዎ።

በጀት ቀጻሊ ዓመት?

እቲ ን2014 ተታሒዙ ዘሎ በጀት ብባይቶ ወከልቲ ህዝቢ እንተጸዲቑ

· 162 ቢልዮን ብር ንስሩዕ ወጻእታት

· 183.5 ቢልዮን ንካፒታል ወጻእታት

· 203.95 ቢልዮን ንክልላት

· 12 ቢልዮን ንመፈጸሚ ሸቶታት ልምዓት ዝውዕል ደገፍ ኮይኑ ክመቓቐል’ዩ።

ዓመታዊ በጀት ኢትዮጵያ፤ ኣብ 2011 ልዕሊ 346 ቢልዮንን 915 ሚልዮንን ከምኡ ድማ ኣብ 2012 ልዕሊ 386 ቢልዮንን 954 ሚልዮንን ብር ከምዝነበረ ይዝከር።

እቲ ትሕቲ 300 ቢልዮን ብር በጀት ዝተትሓዘሉ እዋን ኣብ 2009 ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ ኮይኑ፤ ሽዑ እቲ ዓመታዊ በጀት 274.3 ቢልዮን ብር ነይሩ።