እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኮሮናቫይረስ፡ ኣብ ኔዘርላንድ ኣንፃር እቶእቶ ንሳልሳይ መዓልቲ ናዕቢ ይካየድ ኣሎ
ኣብ ኔዘርላንድ ኣንፃር ኣዋጅ እቶእቶ ዝቃወሙ ሰልፈኛታት፡ ምስ ፖሊስ ተጋጭዮም።
ኣብቲ ናዕቢ፡ 150 ሰባት ከምዝተኣሰሩ፡ መራኸብቲ ሓፋሽ እታ ሃገር ፀብፂበን።
ኣብ ከተማ ሮተርዳም፡ ፖሊስ ሰልፈኛታት ንምብታን፡ ናይ መጠንቕቕታ ተኹሲ ካብ ምትኳስ ብተወሳኺ፡ ዘንብዕ ትኪ’ውን ተጠቒሙ።
ሰልፈኛታት ንዝወፅአ ሓድሽ እገዳታት ኮሮናቫይረስ ንምቅዋም ኣብቲ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰናብቲ ሰልፊ ምውፅኦም ስዒቦም እዩ፡ እዚ ናዕቢ ተበጊሱ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ማርክ ሩተ ነቲ ተቓውሞ 'ገበናኛ ናዕቢ ' ብምባል ኮኒንዎ።
ለበዳ ኮሮናቫይረስ ካብ ዝጅምር ንነዘ፡ ኣብ ኔዘርላንድ ኣስታት ሓደ ሚልየን መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ዘጋጠመ እንትኾን፡ 13,500 ሰባት ድማ፡ ብሰንኪ እዚ ቫይረስ ሞይቶም እዮም።
እንተኾነ፡ ነዚ ለበዳ ንምቁፅፃር ዝወፁኡ ሓደሽቲ እገዳታት ብምቅዋም፡ ትማሊ ሰኑይ ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት እታ ሃገር ሓያል ናዕብታት ነይሮም።
ኣብ ከተማታት ኣምስተርዳም፣ ሮተርዳም፣ ኣመርስፎርትን ጊልየንን፡ ፖሊስ ምስ ሰልፈኛታት ተጋጭዮም።
ዓቢ ዕንወታት ስዒቡ ከኣ፡ ኣብ ኣመስተርዳም ብዙሓት ዝተኣሰሩ እንትኾኑ፡ ኣብ ከተማ ሮተርዳም ድማ፡ ፖሊስ ንሰልፈኛታት ንምብታን ፀቕጢ ዘለዎ ማይ ከምዝተጠቐመ ተገሊፁ።
ከንቲባ ከተማ ኣምስተርዳም፡ ፖሊስ ሰፊሕ ሓይሊ ተጠቒሙ ንናዕበኛታት ክኣስር፡ ንውሳነ ህፁፅ ግዘ ብፊርምኡ ኣረጋጊፁ እዩ።
ፖሊስ ኔዘርላንድ፡ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ዝነበረ ናዕቢ ኣብ ኣርባዕተ ዓሰርተ ዓመታት ተራእዩ ዘይፈልጥ ህውከት ክብል ገሊፅዎ።
ፖሊስ እታ ሃገር፡ ኣብ መላእ ኔዘርላንድ፡ ኣስታት 250 ሰባት ከምዝኣሰረ ተገሊፁ።