ብሪጣንያ ኣብ’ዚ ሓድሽ ዓመት ካብ ኣውሮጳዊ ሕብረት ብወግዒ ተፈልያ

Published

ኣብ’ዚ ሓድሽ ዓመት 2021፡ ብሪጣንያ ካብ ኣውሮጳዊ ሕብረት ብወግዒ ተፈልያ ሓድሽ መገዲ ጀሚራ’ላ።

ዓባይ ብሪጣንያ (ዩኬ)፡ ሓሙስ ናብ ዓርቢ ኣብ ዘውገሓሉ፡ ብኣቆጻጽራ ሰዓት ጂኤምቲ፡ ካብ ለይቲ ሰዓት ሓሙሽተ ጀሚሩ፡ ንሕግታት ኣውሮጳዊ ሕብረት ምስዓብ ደው ኣቢላ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ናይ’ታ ሃገር፡ ቦሪስ ጆንሰን ብሪጣንያ “ናጽነታ ጨቢጣ” ክብል ተዛሪቡ።

ድሕሪ ሕጂ “ነገራት ብዝተፈለየን ብዝሓሸን ኣገባብ” ክነሳልጥ ንኽእል ኢና ድማ ኢሉ።

ፕረዚደንት ፈረንሳይ ኢማኑኤል ማክሮን፡ ብሪጣንያ “መሓዛን መሻርኽትን ናይ’ቲ ሕብረት ኮይና ክትቅጽል እያ” ክበል ተዛሪቡ።

ሚኒስተራት ዓባይ ብሪጣንያ፡ ኣብ ዝመጽእ ሰሙናት ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ለውጥታት ክግበር ምዃኑ ብምግላጽ፡ ህዝቢ ሓደሽቲ ነገራት ክጽበ ኣተሓሳሲቦም።

ኣብ ዶባት ብሪጣንያን ኣውሮጳዊ ሕብረትን ምትእጉጓላት ከይህሉ ስግኣት እኳ እንተሃለወ፡ ሰብ መዚ ግን ነዚ ንምትራፍ ዘድሊ ዘበለ ስርዓት ተዘርጊሑ እዩ ይብሉ።

ህዝቢ ብሪጣንያ፡ ምስ ኣውሮጳዊ ሕብረት ዘለና ዝምድና ይኣክል ዝብል ድልየቱ ዝገለጸ፡ ኣብ 2016 ኣብ ዝተኻየደ ውሳነ ህዝቢ እዩ ነይሩ።

እንተኾነ ግን፡ እዚ 'ብሬግዚት' ዝብል ስም ዝረኸበ መስርሕ ምፍልላይ ብሪጣንያን ኣውሮጳዊ ሕብረትን፡ ድሕሪ ዓመታት እዩ ተግባራዊ ክኸውን ክኢሉ።

ሕጂ ዩናይትድ ኪንግደም በብ’ቲ 27 ሃገራት ዝሓቖፈ ሕብረት ምሉእ ንምሉእ ወጺኣ ኣላ።

ኣውሮጳዊ ሕብረትን ብሪጣንያን፡ ድሕሪ ናይ ዓመታት ክትዕ፡ ቀጻሊ ፍታሕ ዘምጽእ ምዃኑ ዝተገልጸ ስምምዕ ኣብ’ቲ ዝሓለፈ ሰሙን ተፈራሪመን ኣለዋ።

ብመሰረት እቲ ስምምዕ፡ ኣፍረይቲ ብሪጣንያ ናብ ዕዳጋታት ኣውሮጳዊ ሕብረት ብዘይ ታሪፍ ምህርትታቶም ከቕርቡ ይኽእሉ።

እዚ ማለት ኸኣ፡ ኣብ መንጎ ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረትን ብሪጣንያን ዝጓዓዓዙ ኣቑሑ ቀረጽ ኣይህልዎምን።

እንተኾነ፡ ሰባት ግን ከም’ቲ ቀደም ብዘይ ብዙሕ መስርሕ ክጓዓዙ ኣይክእሉን እዮም። ከማልእዎም ዝግብኡ ቅድመ ኩነታት ከማልኡ ይግደዱ።

ብሪጣንያን ኣውሮጳዊ ሕብረትን ዛጊት ዘይተሰማምዕሉ ጉዳይ፡ ባንክን ካልእ ኣገልግሎታትን እንታይ ይኹን ዝብል እዩ።

ብሪጣንያ ካብ’ቲ ሕብረት ክትወጽእ ኣይነበራን ዝብሉ ሰባት ሕጂ’ውን ኣለዉ።

ካብኦም ሓንቲ፡ ላዕለወይቲ ሚኒስተር ስኮትላንድ ኒኮላ ስተርጂን እያ።

እታ ሚኒስተር፡ ንስኮትላንድ መሊሳ ኣካል ኣውሮጳዊ ሕብረት ከምእትገብራ ተመጻቢዓ ኣላ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣየርላንድ ብወገኑ፡ ምውጻእ ብሪጣንያ ካብ ኣውሮጳዊ ሕብረት “ብሓጎስ ክንጽምብሎ ዝግባእ ነገር ኣይኮነን” ኢሉ’ሎ።