ኣውሮጳዊ ሕብረት ንሕርሻዊ ፍርያት ብሪጣንያ ክቕበል ተሰማሚዑ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ብሪጣንያ ዋላ ካብ ደምበ ኣውሮጳዊ ሕብረት ድሕሪ ምውጽኣ፡ ኣብ ብሪጣንያ ዝፈርዩ መግብን ኣታኽልትን፡ ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረት ክቕበለኦም ኣብ ስምምዕ ከምዝተብጽሐ፡ መንግስቲ ብሪጣንያ ንኣወፈርቲ ሕርሻዊ ኢንዱስትሪ ገሊጹሎም።
ብሪጣንያ ናብ ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረት ሰደድ ንኽትገብር፡ ፍሉይ ፍቓድ ክውሃባ ኣለዎ።
እቲ ፍቓድ ብደብዳበ ዝስነ ኮይኑ፡ ኣውሮጳዊ ሕብረት ሰኑይ ነቲ ፍቓድ ዝሓዘ ደብዳበ ንብሪጣንያ ክህባ እዩ፡ እቲ ፍቓድ ኸኣ ካብ 1 ጥሪ 2021 ጀሚሩ ተግባራዊ ክኸውን እዩ።
ኣብ ስምምዕ እንተዘይተበጺሑ፡ ብሪጣንያ ካብ ኣውሮጳዊ ሕብረት ንዝኣትዋ፤ ኣውሮጳዊ ሕብረት ኸኣ ካብ ብሪጣንያ ንዝኣትዎ ንብረት ሰፍ ዘይብል ቀረጽ ከምዘኽፍሉ እዮም ክሕብሩ ጸኒሖም።
እቲ ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕ፡ ኣብ ብሪጣንያ ብሓረስቶት ዝፈረያ ምራኹትን ዘይተሓረዳ ደርሁን’ውን ናብ ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረት ሰደድ ክግበራ ዘኽእል እዩ።
ሃገራዊ ማሕበር ሓረስቶት ብሪጣንያ ነቲ ስምምዕ “ኣዝዩ ወሳኒ” ኢሉ ገሊጽዎ።
እዚ ስምምዕ፡ ኣብ ብርጣንያ ዝፈረየ ኩሉ ዓይነት ሕርሻዊ ምህርቲ ናብ ኣውሮጳዊ ሕብረት ብዘይ ጸገም ክኣቱ ተፈቒዱ ኣሎ።
ካልእ ግን፤ ንመግቢ ዝውዕል ድንሽ ክፍቀዶ እንከሎ ፈልሲ ድንሽ ወይ ንዘርኢ ዝኸውን ድንሽ ግን ካብ ዓባይ ብሪጣንያ ናብ ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረት ክኣቱ ኣይክፍቀዶን እዩ።
ንዘርኢ ዝኸውን ድንሽ ኣብ ስኮትላንድን ሰሜን ዓዲ እንግሊዝን ብሓረስቶት ብብዝሒ እዩ ዝፈሪ።
እቲ ኣብ ብሪጣንያ ዝፈሪ ንዘርኢ ዝኸውን ድንሽ፡ ናብ ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረት ክኣቱ ካብ ዘይተፈቐዶ ግብጺ እታ ቀንዲ ማእከል ዕዳጋ ሰደድ ንዘርኢ ዝኸውን ድንሽ ብሪጣንያ ክትከውን እ።





![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)

