ብሪጣንያ፡ ካብ ፈረንሳይ ዝሰግሩ ስደተኛታት ንምሓዝ ድሮንን ራዳርን ክጥቀም እየ-ኢላ

ብሪጣንያ
Published

ብሪጣንያ፡ ካብ ዝቕጽል ሰሙን ጀሚሩ ስደተኛታት ናብ ሃገራ ከይኣትዉ ኣብ ገማግም ባሕሪ ፈረንሳይ ኮይኖም ዝሕልዉ ብዝሒ ፖሊስ ክትውስኽ ምዃና አፍሊጣ።

እዚ፡ ዋና ጸሓፊት ጉዳያት ዓዲ ውሽጢ እታ ሃገር፡ ፕሪቲ ፓተል፡ ምስ ፈረንሳዊት መዘነኣ ምስተዘራረበት ዝተብጽሐ ስምምዕ እዩ።

እቶም እዚ ስራሕ ከጠናኽሩ ተመዲቦም ዘለዉ ሓደሽቲ ፖሊስ፡ ብድሮናት (ሰብ ኣልቦ በረርቲ) ራዳርን ተሓጊዞም እዮም ስደተኛታት ከይሰግሩ ክሕልዉ።

ኣብዚ ዓመት ኣብ ሓንቲ ንእሸቶ ጀልባ ኮይኖም ኣሸሓት ስደተኛታት ብመትረብ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ምስጋሮም ይዝረብ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ጥራይ፡ 59 ሰባት ኣብ ሓንቲ ንእሽቶ ጀልባ ኮይኖም በታ መሰጋገሪ ባሕሪ -ካናል- ከምዝሰገሩ፡ እቲ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ዓዲ ውሽጢ ወሲኹ ሓቢሩ ኣሎ።

ፕሪቲ ፓተል “ምስ ፈረንሳይ ብስለያን መረዳእታን ሓቢርና ምስራሕ ካብ እንጅምር ንደሓር ግና፡ ካብ ገማግም ባሕሪ ፈረንሳይ ናብ ብሪጣንያ ዝሰገሩ ቁጽሪ ስደተኛታት ነክዩ ኣሎ” ኢላ።

እቲ ምስ ፈረንሳይ ዝተገብረ ስምምዕ ቁጽሪ ናይቶም ፖሊስ ዕጽፊ ካብ ምግባር’ውን ብተወሳኺ ካልኦት ወሰንቲ ዕላማታት ከምዘለውዎ ሓቢራ።

ብፍላይ ድማ ዘመናዊ ቴክኖከሎጂ ብምጥቃም፡ ካብ ገማግም ባሕርታት ፈረንሳይ ናብ እንግሊዝ ዝሰግሩ ስደተኛታት ጠቕሊልካ ምትራፍ ከምዝከኣል ተዛሪባ።

ከምኡ’ውን ፡ ካብ መጻኢ ዓመት ፈረንጂ ጀሚሩ፡ ሓደሽ ስርዓት ዕቑባ ምሕተቲ ተግባራዊ ከምዝግበር ኣፍሊጣ።

እቲ ትማሊ ቀዳም ዕላዊ ዝረተገበር መስርሕ ግና፡ ካብ ዳይሬክተር ‘ሁማኒተርያን ዲተንሽን ኣክሽን’ ፡ ቤላ ሳንከይ፡ ተቓውሞ ገጢምዎ ኣሎ።

“እዚ ከምዚ ዝዓይነቱ ፍረ-ኣልቦ መስርሕ ብኸምዚ ዓይነት ታሕጓስ ዕላዊ ምግባር ወድቀት እዩ ዘርኢ” ኢላቶ።

ብኸምዚ፡ ምስ ቁጽሪ ምጽዋት፡ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ዝኣትዉ ስደተኛታት ምንካይን ሞት ህጻናት ምትራፍን ከምዘየመላኽት ድማ ሓቢራ።

እኳ ደኣስ፡ ገንዘብ ከፈልቲ ግብሪ ኣብ ከምዚ ዓይነት ፍሹል ስጉምቲ ክውዕል ምግባር ዘሕዝን እዩ -ኢላ እታ ዳይሬክተር።

ቢቢሲ ዘተኣኻኸቦ መረዳእታ ከምዘመልክቶ፡ ዛጊድ ልዕሊ 8 ሽሕ ስደተኛታት በቲ 'ካናል' ሓሊፎም ኣብ ብሪጣንያ በጺሖም እዮም።

እዚ ሓቂ ምስ’ቲ እታ ሓላፊት ጉዳያት ውሽጢ ዓዲ፡ እትብሎ ዝጻረር እዩ። ካብ 1999 ጀሚሩ፡ ምስዚ ምስጋር ስደተኛታት ብዝተኣሳሰር፡ ልዕሊ 300 ሰባት ንሞት ከምዝተሳጥሑ ድማ መረዳእታት ይሕብሩ።

ንኣብነት፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ፡ ሓሙሽተ ኣባላት ዝሓዘ ሓደ ስድራ ኩርዲሽ-ኢራንያን፡ ኣብዚ መትረብ እንትሰግሩ ምሟቶም ዝዝከር እዩ።

ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ብዝተገብረ ስምምዕ፡ ዛጊድ ልዕሊ 1100 ስደተኛታት ክተሓዙ ዘኽአለ ኮይኑ፡ ካብኣቶም 140 ከምዝተኣስሩ ይዝረብ።