ኮሮናቫይረስ፡ ፈረንሳ ንኻልኣይ ግዜ ሃገራዊ ዕጽዋ ኣዉጃ

Published

ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን ሃገሩ ብውሕዱ ክሳብ መወዳእታ ወርሒ ሕዳር ኣብ ምሉእ ዕጽዋ ክትጸንሕ ምዃና ኣፍሊጡ።

ፕረዚደንት ማክሮን ኣብዚ ካብ ጽባሕ ዓርቢ ጀሚሩ ተግባራዊ ዝኸውን ዕጽዋ፡ ሰባት ንኣገዳሲ ስራሕን ንሕክምናዊ ጉዳያትን ጥራይ ካብ ገዛ ክወጽኡ ከም ዝፍቀዶም ሓቢሩ።

ብመሰረት እዚ ሓድሽ ኣዋጅ፡ ኣብያተ መግብን ኣብያት መስተን ክዕጸዋ እየን፤ ፋብሪካታትን ኣብያተ ትምህርትን ግን ስርሓን ኣይከቋርጻን እየን።

ኣብ ፈረንሳ ድሕሪ ወርሒ ሚያዝያ ኣብዚ ወርሒ እዚ ዝልዓለ መጠን ሞት እዩ ተመዝጊቡ ዘሎ።

ቁጽሪ ሓደሽቲ መልክፍቲ’ውን ብናህሪ እዩ ዝውስኽ ዘሎ።

ኣብታ ሃገር ብሰሉስ ጥራይ 33,000 ሓድሽ መልከፍቲ ተመዝጊቡ።

ፕረዚደንት ኢማኑኤል ማክሮን ሃገሩ ካብቲ ቀዳማይ ማዕበል ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንላዕሊ ሕጂ ዝያዳ ተሃስያ ምህላዋ ኣብሪሁ።

ጀርመን’ውን ከም ኣብያተ መግቢ፣ ሲነማታትትን ትካላት ጂምን ክትዓጹ ምዃና ሓቢራ ኣላ።

ኣብ መላእ ኣውሮጳ መጠን ሓድሽ መልከፍትን ሞትን ብናህሪ እዩ ዝውስኽ ዘሎ፡ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ብረቡዕ 310 ሰባት ክመቱ እንከለዉ 24,701 ሓዲሽ መልክፍቲ ተመዝጊቡ።

ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝተገበረ መጽናዕቲ ከምዝሕበሮ ኣብታ ሃገር መዓልታዊ ልዕሊ 100 ሽሕ ሰባት ብኮሮቫይረስ ይልከፉ ከም ዘለዉ እዩ ዝገልጽ።

እቲ መጽናዕቲ ኣብ ጽሑፉ ‘ሓደ ነገር ክግብር ኣለዎ’ ብምባል ተላብዩ ኣሎ።

ኣብ ሃገራት ኣውሮጳ ብዝተኣታቶ ዘሎ ሓደሽቲ እገዳታት ናይ ምንቅስቃስ ብረቡዕ ኣብ ዕዳጋታት ዓለም ዓቢ ምንቁልቋል ዋጋታት ተራእዩ።

ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ናይ 2.6 ሚኢታዊት፡ ኣብ ጀርመን 4.2 ሚእታዊት ከምኡ ድማ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ናይ 3.4 ሚኢታዊት ምንቁልቋል ዋጋታት ተራእዩ።

ፕረዚደንት ኮሚሽን ኣውሮጳ ኡስላ ቦን ደርላይመ "ኣብ ማእከል ካልኣይ ማዕበል ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኢና ዘለና። ከም ዝመስለኒ እዚ ናይ ሎሚ ዓመት ልደት (ክሪስማስ) ዝተፈለየ እዩ ክኸውን” ኢላ።