ንኣዋጅ ዕጽዋ ጥሒሶም ዝገሹ ንጉስን ንግስትን ኔዘርላንድስ ብቑጠዐ ህዝቢ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም

ንጉስ ዊለም ኣለክሳንደርን ንግስቲ ማክሲማን

ምንጪ ስእሊ, EPA

Published

ንጉሳውያን ስድራ ኔዘርላንድስ፡ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣዋጅ ዕጽዋ ኣብ ዝተኣወጀሉ እዋን፡ ንዕረፍቲ ናብ ግሪክ ዝገበርዎ መገሻ፡ ንህዝቦም ስለዘቖጠዐ ኣብ ሓደ መዓልቲ ተመሊሶም።

ንጉስ ዊለም ኣለክሳንደርን ንግስቲ ማክሲማን፡ ግዜ ዕረፍቶም ኣብ ግሪክ እናተዘናግዑ ከሕልፍዎ ብዓርቢ ዝገሹ ኮይኖም፡ ብምኽንያት እቲ ካብ ህዝቢ ዝተሰምዐ ቁጠዐ ግን፡ ትማሊ ቀዳም ኣማሲዮም ክምለሱ ተገዲዶም።

እቶም ንጉሳውያን ስድራ፡ ኣብ'ታ ሃገር ብኸፊል ኣዋጅ ዕጽዋ ኣብ ዝተደንገገሉ እዋን እንተገሹ'ኳ ዝጠሓስዎ ሕጊ ከምዘየለ ይገልጹ።

ቀዳማይ ሚንስትር ኔዘርላንድስ ማርክ ሩተ፡ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ዝተሓበሮን ዝፈልጦን ነገር እንተሃልዩ መብርሂ ክህብ ጸቕጥታት ይግበረሉ ኣሎ።

እቲ ንጉስ ምስ ንግስቲ ብመንግስታዊ ነፋሪት እዮም ገይሾም ነይሮም። ህዝቢ ካብ ምንቅስቓስ ተኣጊዱ ኣብ ገዝኡ ኮፍ ክብል መምርሒ ኣብ ዝተወሃበሉ እዋን፡ ንዕረፍቲ ብምጋሾም ነቐፌታታት ይቐርበሎም።

"ኣብዚ ጉዳይ ጥርጣረ ክነሕድር ኣይንደልይን፤ ለብዒ ኮቪድ-19 ንምቁጽጻር ነቶም መምርሕታት ምኽታል ኣገዳሲ እዩ። ኣብ ጉዳይ መገሻና ዘሎ ክትዕ ነዚ ዝቕይር ኣይኮነን" ይብል ካብቲ ንጉሳዊ ስድራ ዝተወሃበ መግለጺ።

ንጉዳይ መገሽኦም ዝፈልጥ 'መንግስታዊ ኣካል መን'ዩ?' ሓበሬታኸ ተዋሂቡ'ዶ ነይሩ? ዝብል ኣካታዒ ኮይኑ'ሎ።

ንጉስን ንግስትን ደች፡ ኣብ መዓልታዊ ንጥፈታት ኔዘርላንድስ ስሩዕ ማለት ናይ ምውሳን ስልጣን የብሎምን።

ብቐዳማይ ሚኒስተር ዝምራሕ ሚንስትሪ ሓፈሻዊ ጉዳያት ግን፡ እቶም ንጉሳውያን ስድራ ዝብልዎን ዝሰርሕዎን ናይ ምክትታል ሓላፍት ኣለዎ።

ነዚ ድማ እዩ ብዙሓት ኣባላት ባይቶ፡ ቀዳማይ ሚንስተር ሩተ፡ እቶም ንጉሳውያን መገሽኦም ንኽስርዙ ስለምንታይ ከምዘየማኸሮም መብርሂ ክህበሉ ዝሓቱ ዘለዉ።