ኣብ ዓለም ብዝሒ ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ካብ 37 ሚልዮን ዛይዱ

Published

ሓበሬታ ዩንቨርሲቲ ጆንስ ሆፕኪንስ ከምዘመልክቶ፡ ክሳብ እዚ እዋን ብኮሮናቫይረስ ናይ ዝተትሓዙ ሰባት ብዝሒ ልዕሊ 37,207,439 ኮይኑ’ሎ።

ብዝሒ በዚ ቫይረስ ዝሞቱ ሰባት ድማ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን እዩ። ብኮቪድ-19 ብዙሓት ሰባት ዝሞቱላ ሃገር ኣመሪካ ክትኾን ከላ፡ ዛጊት ልዕሊ 214,376 ሰባት ሞይቶምዋ።

ቀጺላ ብሞት ተሃስያ ዘላ ብራዚል'ያ። ኣብ’ታ ሃገር ብዝሒ ብኮሮናቫይረስ ዝሞቱ ሰባት ልዕሊ 150 ሽሕ ኮይኑ’ሎ።

ኣብ ብራዚል፡ ብዝሒ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ድማ ልዕሊ ሓሙሽተ ሚልዮን በጺሑ።

መራሒ ብራዚል ጄይር ቦልሶናሮ፡ ንለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣናኢሱ ብምርኣይን፡ ማዕዳ ሰብ ሞያ ዕሽሽ ብምባልን ክውቀስ ጸኒሑ እዩ።

እቲ ፕረዚደንት ኣብ ምንቅስቓስ ሰባት ክልከላ ብዘይምግባሩን፡ ነቲ ሕማም “ሰዓል እዩ” ኢሉ ኣነኣኢሱ ብምግላጹን እዩ ዝውቀስ።

እቲ ንባዕሉ’ውን ብኮሮናቫይረስ ተለኺፉ ዝነበረ ፕረዚደንት ግን ነዚ ዝቐርበሉ ነቐፌታታት ኣይቕበሎን።

ኣብ ኣፍሪቃ ብዙሓት ሰባት ብኮሮናቫይረስ ከምዝተትሓዙዋ ብምርመራ ዘረጋገጸት ሃገር ደቡብ ኣፍሪቃ ኮይና፡ ዛጊድ ልዕሊ 690,896 ሰባት በቲ ቫይረስ ተለኺፎምዋ እዮም።

ኣብታ ሃገር፡ ልዕሊ 17 ሽሕ ሰባት ብኮቪድ-19 ሞይቶም።

ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታትከ?

ኣብ ኢትዮጵያ፡ ዛጊድ በዚ ቫይረስ ከምዝተትሓዙ ብምርመራ ዝተረጋገጸሎም፡ 83,429 ሰባት እዮም። 1,277 ሰባት ብኮቪድ-19 ሞይቶም።

ኢትዮጵያ፡ ክሳብ እዚ እዋን፡ ልዕሊ 1.3 ሚልዮን ምርመራታት ኣካይዳ ኣላ። ትማሊ ቀዳም፡ ተወሰኽቲ 6 ሰባት በቲ ሕማም ከምዝሞቱ ተፈሊጡ'ሎ።

ኣብ ክልል ትግራይ፡ ዛጊድ 76,327 ምርመራ ቫይረስ ኮሮና ዝተገበረ ኮይኑ፡ ካብቶም ዝተመርመሩ 6,232 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ከምዝተለኸፉ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ናይ’ቲ ክልል ይገልጽ።

ትማሊ ቀዳም ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ኣብ’ታ ክልል ሓደ ተወሳኺ ሰብ ብኮቪድ-19 ከምዝሞተ ገሊጹ’ሎ፤ ዛጊድ በቲ ሕማም ዝሞቱ ሰባት ድማ 39 እዮም።