ባህሊ፡ ታሪኻዊ መበገሲ ብህዝቢ ኦሮሞ ዝኽበር በዓል ኢሬቻ እንታይ ይመስል?

Published

ሰራዊት በቀለ (ዶ/ር) ኣብ ኢሬቻ ዘተኩርን ንመዛዘሚ ሳልሳይ ዲግሪ ዝገበረቶ መጽናዕቲ “Locating politics in Ethiopia’s Irreecha ritual” ብዝብል ኣርእስቲ ከተሕትሞ እንከላ፤ ንዓለምለኻዊ ሽልማት’ውን ተሓጽዩ ነይሩ። ሰራዊት ነቲ መጽሓፍ ናብ ኣምሓርኛን ኦሮምኛን ንምትርጓም ሓሳብ ከም ዘለዋ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝነበራ ጻንሒት ተዛሪባ።