እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
የሺሃይድ ሱጋ፡ ንጃፓን ክመርሕ ዝተመዘዘ ወዲ ሓረስታይ
ገዛኢ ውድብ ጃፓን ሎሚ ንጎሆ ንሺንዞ ኣቤ ዝትክእ መራሒኡ ክመዝዝ እዩ።
እቲ ኣቦ መንበር እቲ ውድብ ኮይኑ ዝምዘዝ ቀዳማይ ሚኒስተር ናይታ ሃገር ናይ ምዃን ተኽእልኡ ልዑል እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ቀዳማይ ሚኒስተር ጃፓን ዝነበረ ሺንዞ ኣቤ ምስ ጥዕናዊ ኩነታት ተኣሳሲሩ መገዛ ፍቓዱ ካብ ስልጣን ምውራዱ ዝዝከር እዩ።
እቲ ውድብ ኣብዚ ሕዚ እዋን ዋና ጸሓፊ እቲ ካቢነ እታ ሃገር ዝኾነ ወዲ 71 ሽማግለ ዮሺሃይድ ሱጋ ከም ዝመዝዝ ዳርጋ ተፈሊጡ እዩ።
እቲ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ክኸውን ተተስፍይሉ ዘሎ ናይ ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር ኣቤ ናይ ቀረባ ዘመድ ከም ዝኾነን ናቱ ኣሰር ተኸቲሉ ናቱ ፖሊሲ ከም ዘቐጽልን እዩ ዝዝረብ ዘሎ።
ዮሺሂዴ ሱጋ መን እዩ?
ኣብ 1948 ካብ ሓደ ኣፍራዪ ፍራውለ [ስትሮውቤሪ] ሓረስታይ ዝተወልደ ዮሺሃይድ ፖለቲካ እታ ሃገር ዓብሊልዋ ካብ ዝጸንሐ ጉጅለ ልሂቃን ፍልይ ዝበለ ሰበ ከም ዝኾነ እዩ ዝንገረሉ ዘሎ።
ፖለቲካዊ ተሳትፎኡ ካብ ዩኒቨርሲቲ ምስ ተመረቐ ኣብ ፓርላመንታዊ መረጻ ዝተገብረ ጎስጓስ ዘርአየ ብቕዓት እዩ ዝጅምር።
ካብኡ ድማ፡ ስሩዕ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ቅድሚ ምጅማሩ ዋና ጸሓፊ ሊበራል ዲሞክራቲክ ፓርቲ ኮይኑ እዩ ኣገልጊሉ።
ኣብ 1987 ኣባል ከቤት ምኽሪ ከተማ ዮኩሃማ፤ ኣብ 1996 ድማ ንመጀመርታ ጊዜ ኣባል ሃገራዊ ቤት ምኽሪ እታ ሃገር ኮይኑ ተመሪጹ።
ኣብ 2005 ድማ፡ ሚኒስተር ዲኤታ ውሸጣዊ ጉዳያትን ኮምዩኒኬሽን ኮይኑ ተሸይሙ።
ኣብ ዝቕጽል ዓመት ድማ ኣብቲ እዋን ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ዝነበረ ሺንዞ ኣቤ ሙሉእ ሚኒስተር ገይሩ ሸይምዎ።
ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቤ ጽቡቕ ርክብ ሒዙ ዝቐጸለ ኾይኑ ኣብ 2012 ዋና ጸሓፊ ካቢነ እታ ሃገር ገይሩ መዚዝዎ።
ንዝሓለፈ 8 ዓመታት ድማ የማናይ ኢድ ኮይኑ ናይ ጃፓን ሕልኽልኽ ዝበለ ቢሮክራሲ ብዕዉት መሪሑ ተባሂሉ እዩ ዝንገረሉ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 2019 ጃፓን ሓድሽ መስፍን ናብ ዙፋን ዝመጸአ ኾይኑ እቲ ስርዓተ-ሺመት ዝመርሐ ንሱ ነይሩ።
ነቲ ሓድሽ ናብ ዝፋን ዝወጽአ መስፍናዊ ቤተ ሰብ ሃጸይ ናሩሂሮ 'ኣኮይ ረይዋ' ክብል ኣብ ባህሊ ቻይና እቲ ፍትው ዝበሃል ኣጸዋዓ ለጊስዎ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ሺንዞ ኣቤ ነሐሰ 28 ብምኽንያት ብጥዕናዊ ኩነታት ካብ ስልጣኑ ከም ዝወርድ ዕላዊ ምስ ገበረ ሹጋ ኣብ 2 መስከረም ሕጹይ ቀዳማይ ሚኒስተር ምዃኑ ኣፍሊጡ።
ኣባላት እቲ ገዛኢ ውድብ ዝኾኑ ጉጅለታት ድማ ድጋፎም ኣርእዮም።
ነዚ ስዒቡ ድማ ናይቶም ፖለቲካዊ ጉጅለታት ኣመራርሓ ዘይኮ ሹጋ ኣብ 14 መስከረም ኣቦመንበር እቲ ገዛኢ ሰልፊ [ሊብራል ዲሞክራቲክ ፓርቲ] ኣቦ መንበር ብምዃን ታሪኽ ሰሪሑ።
ሹጋ፡ ኣሰር ፖሊሲ ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር ኣቤ ዝቕጽል ኮይኑ ምክልኻል ሃገር ብዝምልከት ሕገ መንግስታዊ ምምሕያሽ ክገበር ኣአንፊቱ ኣሎ።
ከምኡ ድማ እቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ዝጀመሮ ገንዘባዊን መዋቕራዊን ቁጠባ እታ ሃገር ክቕጽለሉ ምዃኑ ኣፍሊጡ ኣሎ።
ንግዚኡ ግን ቀዳምነት ዝህቦ ዛዕባ ኮቪድ-19ን ቁጠባዊ ማህሰይትን ከም ዝኾነ ተዛሪቡ።