እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ግሪኽ፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ካብ ዘጋጠመ ባርዕ ይሃድሙ
Published
ብብዝሒ ስደተኛታት ተጨናኒቑ ዝጸንሐ ኣብ ግሪኽ ዝዓበየ መዓስከር ስደተኛታት ሞርያ ብባርዕ ሓዊ ዓንዩ። ኣብቲ መዓስከር ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሓደ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኽፈ ስደተኛ ድሕሪ ምርካቡ፡ ክልከላታት ምንቅስቓስ ተኣዊጁ ጸኒሑ። ዛጊት መበገሲ እቲ ባርእ ኣይተነጸረን።