እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዴክሳሜታዞን ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ረብሓ ዝውዕለሉ ኩነታት ሓሳብ ቀሪቡ
ሰብ ሞያ ጥዕና ኢትዮጵያ እቲ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣዘራራቢ ኮይኑ ዘሎ መድሓኒት ዴክሳሜታዞን ኣብ ረብሓ ብዛዕባ ዝውዕለሉ ኣገባብ ምርመራ ብምክያድ ሓሳብ ክህቡ ሕቶ ቀሪቡሎም ነይሩ።
ብመሰረት ዝቐረበሎም ጻውዒት ድማ ምርመራ ብምክያድ እቲ ዝረኸብዎ ውጽኢት ናብ ሚንስትሪ ጥዕና ኢትዮጵያ ከምዘቕረቡ ተገሊጹ።
ኣብቲ ሚንትሪ ዋና ሓላፊ ኣገልግሎት ሕክምና ዝኾነ ኣይተ ያእቆብ ሰማን ከምዝበሎ፡ ነቶም ኣብ ትሕቲ እቲ ሚንስቴር ዝተጣየሸ ጉጅለ ኣማኻሪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዝርከቡ ሰብሞያ'ዩ ምርመራ ንኸካይዱ ካብ ሚንተር ዶክተር ሊያ ታደሰ ጻውዒት ቀሪቡሎም።
ብመሰረት ዝቐረበሎም ሕቶ ንምሉእ ትሕዝቶ እቲ መጽናዕቲ ብምምርማር ክኸውን ይግባእ ዝበልዎ ምኽረ-ሓሳብ ኣቕሪቦም ኣለዉ።
እቶም ሰብ ሞያ፡ ብዛዕባ ሓፈሻዊ ትሕዝቶ እቲ መድሓኒትን ኣብ ኢትዮጵያ ናብ ረብሓ ዝውዕለሉ ኩነታትን ዝሕብር ሓሳብ ከምዘቕረቡ ኣይተ ያእቆብ ሓቢሩ።
ብዛዕባ ኣጠቓቕማ እቲ መድሓኒት ዘቕረብዎ ምኽረ-ሓሳብ እንታይ ከምዝብል ዝርዝር ትሕዝትኡ ግን ገና ወግዓዊ ኣይተገበረን።
ኣይተ ያእቆብ ከምዝበሎ፡ ዴክሳሜታዞን ቅድሚ ሕዚ'ውን ንዝተፈላለዩ ሕማማት ዝውዕል ዝነበረ ብምዃኑ ኣብ ኢትዮጵያ ይርከብ'ዩ።
እቲ ሓቂ ከምቲ ብማዕኸናት ዜና "ተጋኒኑ" ዝቐረበ ከምዘይኮነ ብምሕባር ድማ ረብሕኡ ብኮቪድ-19 ብጽኑዕ ዝሓመሙ ሰባት ዘጋጥሞም ሞት ምንካይ ከምዝኾነን ኣረዲኡ።
ኣስዒቡ ከኣ፡ "ኣወንታዊ ረብሕኡ ትሑት እዩ" ኢሉ።
"ኣብ ማሕበረሰብ ምዝንጋዕ ክፍጠር የብሉን፤ ሕዚ'ውን ብሰብ ሞያ ዝወሃቡ ማዕዳታት ምኽልኻል ምፍጻም ኣገዳሲ እዩ" ክብል ገሊጹ።