ዕሽሽታ ህዝቢ እንተቐጺሉ ኮሮናቫይረስ ከስዕቦ ዝኽእል ሓደጋ ምቁጽጻር ከምዘይከኣል ዶክተር ሊያ ኣጠንቂቓ

Published

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሞይቶም ዝተረኸቡ ግዳም ሓደር ብዝተገበረሎም ምርመራ ኮቪድ-19፡ እቲ ቫይረስ ስለ ዝተረኸቦም፡ ኣብ ውሽጢ ሕብረተሰብ ይዝርጋሕ ምህላዉ ዝሕብር'ዩ ክትብል ሚኒስትሪ ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበረቶ ቃለ-መሕትት ተዛሪባ።

ኣብ ኢትዮጵያ፡ ትማሊ ጥራሕ 150 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ከም ዝተትሓዙ ሚንስትሪ ጥዕና ዘውጽኦ ጸብጻብ የመልክት።

ዛጊድ ድማ 1486 ሰባት ኣብታ ሃገር ከም ዝተትሓዙ ተፈሊጡ'ሎ።

ዶክተር ሊያ ታደሰ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ዝኾነ ናይ መገሻ ታሪኽ ዘይብሎም ሰባት ብብዝሒ እቲ ቫይረስ ይርከቦም ከም ዘሎ ትገልጽ።

"ናይ መገሻ ታሪኽ ዘይብሎም ከምኡ'ውን በቲ ቫይረስ ምስ ዝተትሓዙ ሰባት ዝፍለጥ ርክብ ዘይብሎም ግን ከኣ እቲ ቫይረስ ዝርከቦም ሰባት ብጣዕሚ ወሲኾም ኣለዉ። እዚ ከኣ እቲ ቫይረስ ኣብ ውሽጢ ማሕበረሰብ ይዝርጋሕ ከም ዘሎ'ዩ ዘመልክት" ኢላ።

ስለዚ እቲ ዝነበረ ናይ ምክልኻል ስትራቴጂ ክሰፍሕ ከም ዘለዎ ዝሓበረት እታ ሚንስተር ኣብ ውሽጢ ማሕበረሰብ ዝግበር ምርመራን ዳህሳስን ተጠናኺሩ ክቕጽል ከም ዝግባእ ገሊጻ።

ኣብ ክልላት ቁጽሪ ምርመራ ዝግበረሎም ሰባት ክውስኽ ምግባር፡ ነቲ ዘሎ ዝርግሐ እቲ ቫይረስ ንምፍላጥ ከም ዝሕግዝ ዝገለጸት ዶክተር ሊያ፡ ብዝኾነ ምኽንያት ናብ ትካላት ጥዕና ኣብ ዝኸዱ ሰባት ምርመራ ይግበር ከም ዘሎ ተዛሪባ።

ኣብ ገዛ ይኹን ኣብ ትካላት ጥዕና ሞት እንተኣጋጢሙ ድማ፡ ኣብቲ ኣስከሬን መርመራ ኮሮናቫይረስ ይግበር ከም ዘሎ ዶክተር ሊያ ብኣብነት ኣደጊፋ ትገልጽ።

"ቅድሚ ሕዚ ምርመራ ዘይገበረ ሰብ እንተኾይኑ'ሞ ኣብ ሕክምና ወይ ከኣ ኣብ ገዝኡ እንተሞይቱ ምርመራ እቲ ቫይረስ ንገብረሎም ኣለና። ነዚ ንገብረሎ ምኽንያት ዝርግሕኡን መጠኑን ንምፍላጥ ኣገዳሲ ስለ ዝኾነ'ዩ። ንኣብነት ኣብ ጥቓ ቤተክርስትያን 2 ሞይቶም ዝተረኸቡ ከምኡ'ውን ኣብ ደገ ሞይቶም ዝተረኸቡ ካልኦት ክልተ ግዳም ሓደር ምርመራ ምስ ተገበረሎም እቲ ቫይረስ ዝተረኸቦም ኣለዉ" ኢላ።

በዚ መገዲ፡ ናብቲ ንሳቶም ዝመጽኡሉ ከባቢ ብምኻድ ዳህሳስ ንምክያድ፤ ምስ መን ተራኺቦም? ዝብል ንምፍላጥን ፈሊኻ ንምሕካምን ከም ዝሕግዝ ኣረዲኣ።

ስለምንታይ ቑጽሪ መልከፍቲ ይውስኽ ኣሎ?

ዜጋታት ኣብ ምጅማር እቲ ቫይረስ ዝነበሮም ስግኣትን ዝገበርዎ ጥንቃቐን ኣብዚ ሕዚ እዋን እናነከየ ብምምጽኡ ከም ዝኾነ እታ ሚኒስትሪ ተረድእ።

እዚ ምዝንጋዕ ከኣ በዚ እንተቐጺሉ ነቲ ሓደጋ ምቁጽጻር ናብ ዘይከኣለሉ ደረጃ ከም ዝብጻሕ ኣጠንቂቓ።

ምልክታት ዘይረኣዮም ሰባት'ውን እቲ ቫይረስ ይርከቦም ከም ዘሎ ሓቢራ።

"ምልክት ዘይተረኣዮም ብዙሓት ውልቀ-ሰባት'ዮም እቲ ሕማም ዝርከቦም ዘሎ። ኣብዚ እቲ ኣጸጋሚ ዝኸውን ዋላ ሓደ ምልክት'ኳ እንተዘይተረኣዮም እቲ ሕማም ናብ ካልእ ክመሓላልፍ ምኽኣሉ እዩ። ነዚ ድማ'ዩ ኩሉ ሰብ እቲ ቫይረስ ኣብ ዝኾነ ይኹን ሰብ ክህልው ይኽእል'ዩ ብዝብል ክጥንቀቕ ዘለዎ" ክትብል ኣተሓሳሲባ።

ኣስዒባ ድማ "ኣካላዊ ርሕቐትና እንተዓቂብና፣ ኣብ እንገብሮ ምንቅስቓስ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን እንተተጠቒምናን ጽርየት ኣእዳውና እንተሓሊናን ምልክታት ሃለወ ኣይሃለወ ንነብስና ክንከላኸል ንኽእል ኢና። ኣባና እንተሃልዩ'ውን ንኻልእ ሰብ ንሕልው ማለት'ዩ" ክትብል ገሊጻ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብታ ዝበዝሑ ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ዝርከቡላ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ምሉእ ዕጽዋ ምእዋጅ ኣገዳሲ'ዶ ይኸውን? ዝብል ሕቶ ዝቐረበላ ሚንተር ጥዕና ኢትዮጵያ ዶክተር ሊያ፡ ዝበዝሕ ኢትዮጵያዊ ብመዓልታዊ እቶት ካብ ኢድ ናብ ኣፍ ብዝኾነ ኩነታት ዝመሓደር ስለ ዝኾነ ምንቅስቓስ ምሉእ ብምሉእ ምእጋድ ኣጸጋሚ ከም ዝኸውን ኣረዲኣ።

እንተኾነ ንዘሎ ኩነታት ዝምጥኑ ስጉምትታት ይውሰዱ ከምዘለዉን ከምዝውሰዱን ኣዘኻኺራ።