ኣብ ኢትዮጵያ 75 ሰባት ካብ ኮሮናቫይረስ ሓውዮም፡ 55 ድማ ኣብ ሕክምና ኣለዉ

Published
ንባብ: 1 ደቓይቕ

ሚንስትሪ ጥዕና ኢትዮጵያ ከም ዝሓበሮ፡ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ምርመራ ካብ መንጎ ዝተገረሎም 1560 ሰባት፡ ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዙ 2 ተረኺቦም።

በዚ ድማ፤ ኣብታ ሃገር በቲ ቫይረስ ናይ ዝተለኸፉ ሰባት ብዝሒ 135 በጺሑ።

ክልቲኦም እቶም ኮሮናቫይረስ ዝተረኸቦም ሰባት፡ ናብ ካልእ ሃገር ተጓዒዞም ዘይነበሩ እዮም።

እቲ ሓደ፤ ወዲ 49 ዓመት ተባዕታይ ኮይኑ፤ ኣብ ሕክምና ደቂሶም ንዘለዉ ሕሙማት ብዝተገበረ ምርመራ እዩ ተረኺቡ።

እታ ካልአይቲ ድማ ጓል 45 ዓመት ኮይና ኣብ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ እያ ትነብር። ገዛ ንገዛ ብዝተገበረ ዳህሳስ ከምዝተረኸበት ድማ እቲ ሚኒስትሪ ኣፍሊጡ።

ኣብ ኢትዮጵያ ክሳብ ሕዚ 22,330 ሰባት ምርመራ ከምዝተገበረሎም ዝገለጸት ሚንስተር ጥዕና ኢትዮጵያ ዶክተር ሊያ ታደሰ፡ ዛጊት 75 ሰባት ካብቲ ቫይረስ ከምዝሓወዩ'ውን ኣፍሊጣ።

ኣብዚ እዋን፡ 55 ሰባት ክትትል ሕክምና ይገብሩ ኣለዉ፤ ብጽኑዕ ዝሓመመ ግን የለን ኢላ እታ ሚኒስተር።

ኣብ ኢትዮጵያ 3 ሰባት በቲ ሕማም ከምዝሞቱ ይፍለጥ።