እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣቡነ ፍራንሲስ፡ ህዝቢ ዓለም ኮሮናቫይረስ ንምቅላስ ክሓብር ጸዊዖም
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ ፍራንሲስ፡ ህዝቢ ዓለም ንለበዳ ኮሮናቫይረስ ብሓባር ክቃለስ ጸዊዖም።
ኣቡነ ፍራንሲስ፡ ሎሚ መዓልቲ ኣብቲ ኣብ ሰብ ዘይብሉ ቤተክርስትያን ቅዱስ ጴጥሮስ ዘንበብዎ ጽሑፍ፡ ደቂ ሰባት ፍልልዮም ንጎኒ ገዲፎም ነዚ ሕማም ክቃለሱ ኣለዎም ዝብል መልእኽቲ ኣስሚዖም።
እቶም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ናይ ትማሊ ድሮ ፋሲካ መልእኽቶም፡ ሰባት ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ከይርዕዱን ተስፋ ከይቐብጹን ተላብዮም ነይሮም።
ኣብዚ ሕሱም እዋን፡ ደቂ ሰባት ክተሓጋገዙን ከረዳድኡን ድማ ምዒዶም።
እቶም ጳጳስ ነዚ ዝበሉ፡ ብኣቆጻጽራ ግሪጎርያን ሎሚ ንዝኽበርን ዓብዪ በዓል ኣመንቲ ክርስትና ንዝኾነ በዓል ፋሲካ [ትንሳኤ] ኣመልኪቶም ትማሊ ኣብ ድሮኡ ኣብ ዘሕለፈዎ መልእኽቲ እዩ።
እቶም ጳጳስ ነዚ መልእኽቲ ዘሕለፉ፡ ኣብ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ኣደባባይ ቤተክርስትያን ቅዱስ ጴጥሮስ ኮይኑ፡ ኣብኡ ዳርጋ ሕልው ዝብል ሰብ ኣይረአን።
ከምቲ ኣብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ዝሰፈረ፡ እየሱስ ክርስቶስ ክስቀል ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰባት ቀቢጸ ተስፋ ዓሲሉ ከምዝነበረን፡ እንተኾነ ኣብ ሳልስቲ ከምዚ ሎሚ ተንሲኡ ወረ ሓጎስን ፍስሃን ከምዝተሰምዐ ኣዘኪሮም።
"እዚ ሎሚ ገጢሙና ዘሎ መከራ'ውን ከምኡ እዩ። ከምቲ ንዓና ኮይኑዎ ዘሎ፡ ጎይታና ምስተሰቅለ ንደቂ ሰባት ጸልማት እዩ ኾይኑ ነይሩ። መጻኢና ኣብ ፍርሒ ኣትዩሎ፡ እንተኾነ ተስፋና መሊሱ ክሕደስ እዩ" ኢሎም።
ወሲኾም ድማ፡ "ኣጆኹም ኣይትፍርሑ። ሎሚ ናይ ተስፋ መዓልቲ እዩ" ክብሉ ተዛሪቦም።
ከምቲ ንቡር፡ ኣብ በዓል ትንሳኤ ኣቡነ ፍራንሲስ ኣብ ቅድሚ ብኣሻሓት ዝቑጸሩ ኣመንቲ እዮም መልእኽቶም ዘሕልፉ ነይሮም።
ሎሚ ግን፡ ብኣጻብዕቲ ዝቑጸሩ ሰባት እዮም ኣብ ጥቐኦም ነይሮም።
ኣብቲ ዕለት ዝፍጸሙ ዝነበሩ ብዙሓት ስነ-ስርዓታት እውን ኣይተገበሩን፤ ንኣብነት፡ ናይ ሓደሽቲ ኣመንቲ ስነስርዓት ጥምቀት ኣይተኻየደን።
ሎሚ ሰንበት ድማ፡ ኣብ ዕጽው ቤተ ጸሎት ኮይኖም እዮም ናይ ፋሲካ መልእኽቲ ኣሕሊፎም።
በቲ ለበዳ ኣዝያ ዝተሃሰየት ጣልያን፡ ዝኾነ ምንቅስቓሳት [ዓጸያ] ኣጊዳ እያ ዘላ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ጣልያን ጁሴፔ ኮንቴ፡ እቶም ጳጳስ 'ሓላፍነት ዝተመልኦ' መልእኽቲ ብምሕላፎም ንኢዱ።
በቲ በዓል ምኽንያት ዝኾነ ምጭንናቕን ምጽግጋዕን ዘይምርኣዩ ድማ ኣሐጒስዎ።
ብሰንኪ ሕማም ኮሮናቫይረስ፡ ኣመንቲ ነዚ ዓብዪ በዓሎም ኣብ ገዘኦም ኮይኖም ከኽብርዎን፡ ብዙሓት ካህናት ድማ ተፈናቲቶም ኣብ ቤተ ክርስትያናት ኮይኖም ሃይማኖታዊ ኣገልግሎት ይህቡ ኣለዉ።
ክብረ በዓል ፋሲካ፡ ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝመጽእ ሰንበት እዩ ክኽበር።